ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ቅዱሳን ዝብል ቃል ንጹሃን ፉሉያት ዝብል ትርጉም ይህበና። እዚ ቃል እዚ
ናይ እግዚኣብሔር ናይ ባህሪ መግለጺኡ አዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ ስለዝኾነ ቅዱሳን ዝብል ቃል ነቶም ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ
ኣምላኽ ዘገልግሉ መላእክትን ሕያዎት ወይ ከኣ ለውሃት ሰባትን ዝወሃብ እዩ። ንመላእኽቲ ቅዱሳን ንብሎም፥ ምኽንያቱ ብቕድስናን ብንጽህናን
ነቲ ቅዱስ ኣምላኽ ሰለዘገልግሉ፡ ኣብዚ መዓርግ ናይ መላእክቲ ዝበጽሑ ለዋሃትን ሕያወትን ሰባት’ውን በዚ ናይ ቅድስና ሽም ይጽውዑ
እዮም። ባዕሉ እግዚኣብሔር’ውን “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ይብል” ዘሌ 19፡2 1ይ ጴጥ 1፡15-16። ነብያት፣ ሓዋርያት፣
ጻድቃን ፣ ሰማዕታት ኩሎም ነቲ ቅዱስ ኣምላኽ ክብሉ ሂወቶም መስዋእቲ ጌሮም ስለዝሃቡን ንሽሙ ስለዝመስከሩን፡ ብተጋድሎኦሙን ብትሩፋቶሙን
ናይ ቅድስናን ናይ ብጽዕናን መዓርግ ተዋሂቦም እዮም። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ባዕሉ “በቲ ሓቂ ቐደሶም፥ ቃልካ
ሓቂ እዩ” ይብል (ዮሓ 17፡17)። መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ቅዱሳን ብብዝሒ ኣብርእሲ ምዝራቡ፤ ነዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ምኽባርን ምቕባልን፥
ነቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ምኽባርን ምቕባልን ምኻኑ ይገልጸልና። (ማቴ 10፡40 ሉቃ 10፡16 ንመልከት) ንቑዱሳን ዘኽበረ
ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። ንሱ ዝኽበሮ ከኣ ማንም ክንዕቆ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንቕዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘለዎም
ተሰማዕነት ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጽ። እዚ ሓድሽ እዩ፥ እዚ ከኣ ቡሉይ ኪዳን አዩ ንብሎ ዘይኮነስ፥ ኣብዝኾነ ኪዳን ጎይታ ዘኽበሮም
ብዘይ ዕጸፍ ቃሉ ክርኢ ይግበኣና። ኣነ ቅዱስ አየ እሞ ቅዱሳን ኵኑ ዝበለ ኣምላኽ ንንበሲ ወከፍና ናብቲ ናይ ቅድስና ክብሪ ጸዊዕና
አዩ። እዚ ክንብል ከለና ግና ከምቲ ገለግለ ሰባት ዝብልዎን ከምዝሓስብዎን ካልኦት እንታይ ክገብሩልና፡ ንሕናውን ቅዱሳን ኢና ብምባል
ዘይኮነስ ነብሲ ወከፍና ዝተጸዋዕናሉ ንጽቡቕ ሰራሕ ስለዝኾነ ኣብቲ ዝተጸዋዕናሉ ቦታ ኣለናዶ ዝብለ ሕቶ ክንምልስ ክንክእል ይግበኣና።
ብዝኾነ ግን ስለ ቅዱሳን እዚ ካብ በልና እስከ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ብምግባር ስለነብሲወከፍ ስረሖምን ኣማላድነቶምስ ንርኤ። ኣምላከ
ቅዱሳን ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና።
ኣማላድነቶም
ምምላድ ማለት ሓደ ስለ ካልእ ዝገብሮ ልመናን ጸሎትን እዩ። ዝማለድ (ዝልመን) እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ ዘማልዱ
ከኣ ቅዱሳን እዩም። ልመና ወይ ምምላድ ዘድለየሉ ምኽንያት እግዚኣብሔር ካብ ናይ ሓጥኣን ጸሎት ናይ ጻድቃን ጸሎት ብዝበለጸ ኣብ
ቅድሚኡ ቅቡሉን ተፈጻምን ብዃኑ እዩ። ንኣብነት ኣብ መዝ. 34፡15 “ኣእዛን እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን ኣእዛኑ ከኣ ናብ ኣውያቶም
እየን።”
“ናይ ሓጥእ መስዋዕቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣጸያፊ እዩ፡ ናይ ጻድቅ ጸሎት ግን ኣብ ቅድሚኡ ቅቡል እዩ” ምሳለ 15፡8 “እግዚኣብሔር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፥ ናይ ጻድቃን ጸሎት ግና ይሰምዕ” ምሳሌ 15፡29 ከምኡ’ውን ቅዱስ ዮሓንስ ንእግዚኣብሔር ብግቡእ ኮይኖም ንዝልምንዎ ከምዝሰምዖም ክገልጽ ከሎ “ከምቲ ፍቓድ ጌርና ሓደ ነገር እንተለመናዮ ይሰምዓና እዩ” ይብል። ስለዚ ቅዱሳን ከምናቱ ፍቓድን ድሌትን ሰልዝገብሩ ልመንኦም ይሰምዖም እዩ። ብዝበለጸውን ጻድቃን ንሓጥያተኛታት ወገኖም ዝልምንዎ ልመና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ተቐባልነት ኣለዎ፥ ምኽንያቱ አግዚኣብሔር ምንም እኳ ንሓጥኣን ብኩፉእ ስረሖም እንተሓዘነ ብሳህሉ ብምሕረቱ (ብቸርነቱ) ዝምሕረሎም ምኽኒያት ስለ ዝደሊ ናይ ቅዱሳን ልመና መገዲ ይገብሮ። ኮይኑ ግን ኣብዘመና ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ክንገር ከሎ ዘይቕበሉን ዘይሰምዑን ኣለዉ። ንምኻኑ ቅዱሳን ከማሉድና ንሕና ባዕልና ዲና መሪጽናዮም፧ ኣይኮነን! ቅዱሳን ኣብ ክንዲ ዝበደሉ ሰባት ክልምኑ፡ ከማልዱ ዝኣዘዘን ዝሓገገን ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። እስኪ ብመጽሓፍ መሰረ ኣማላድነቶም ንርኣዮ።

ኣብ ኦሪት
ዘፍ. 20፡1-7 ኣቦ ብዙሓን ኣብርሃም ናብ ጌራራ ተሰዲዲሉ ኣብ ዝነብረሉ ግዜ ናይቲ ሃገር ንጉስ ንሰብይቱ ንሳራ ኣሕዲግዎ
ኔይሩ። ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ለይቲ ብሕልሚ ሰበይቱ ክመልሰሉ ድሕሪ ምእዛዙ “ነብይ አዩ’ሞ ምእንቲ ክትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ”
ብምባል ባዕሉ እግዚኣብሔር ንኣበሜሌክ ንስኻ ብቀጥታ ናባይ ለምን ሰብይቱ ግን ምለሰሉ ክብሎ እንዳኸኣለ ከሎ፥ ነብይ እዩ’ሞ ምእንታኻ
ይጸሊ ዝበሎ ንምንታይ እዩ፧ ከምኡ’ውን ንእዮብ ክርእይዎ ዝመፁ ሰለስተ ኣዕሩኽቱ “ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኮም
ቅኑዕ ስለዘይተዛርብኩም ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኩራይ (ተቓጺሉ ?) እዩ። . . . . . . . እዮብ ባርያይ
ንዓኹም ክጽልየልኩም እዩ ንዕኡ ከኣ ክቐበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ስለዘይተዛርብኩም ምእንትኡ ኢለ
ከምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ” በሎም። ኣብዚ እግዚእብሔር ነዞም ሰባት ባዕሉ ተገሊጹ እንዳኣዘራረቦም ከሎ ብቐጥታ
ናባይ ጸልዩ ይቕረ ክብለኩም እየ ኣይበሎምን፡ እንታይ ድኣ ነቲ ተፈቲኑ ዝወጸ ከም ወርቂ ዝተፈተነ ፈታዊኡ እዮብ ክብሩ ንኽግለጽ
ምእንትኦም ክጽልን ናብኡ ክኸዱን ከኣ ኣዘዞም። በዚ መሰረት ከኣ እዮብ ስለ ሰለስቲኦም ኣዕርኽቱ ዝለመኖ ዝጸሎዮ ጸሎት እግዚኣብሔር
ተቀብሎ። እዮብ 42፡ 7-9
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ስራሕ ምዃኑ ብግልጺ ክዛረብ ከሎ “ኣባና ከኣ ናይ ምትዕራቕ ቃል ገብረ። ስለዚ እግዚኣብሔር ብኣና ከምዝልመን ስለክርስቶስ መልእክተኛታት ኢና” ይብል። 2ይ ቆሮ. 5፡19-20 እግዚኣብሔር ንቕዱሳን ፈተውቱ፥ ስለዚዩ ክልሙኑ ኣብኦም ናይ ምምላድ ጸጋን ቃልን ገብረ።
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ስራሕ ምዃኑ ብግልጺ ክዛረብ ከሎ “ኣባና ከኣ ናይ ምትዕራቕ ቃል ገብረ። ስለዚ እግዚኣብሔር ብኣና ከምዝልመን ስለክርስቶስ መልእክተኛታት ኢና” ይብል። 2ይ ቆሮ. 5፡19-20 እግዚኣብሔር ንቕዱሳን ፈተውቱ፥ ስለዚዩ ክልሙኑ ኣብኦም ናይ ምምላድ ጸጋን ቃልን ገብረ።
ስለዚ ምምላድ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝገበሮ መንገዲ እዩ። ኣማላድነት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ ህያው እዩ ፤
ምኽንያቱ ብስነ ምግባሮም ዝደኸሙን ጸሎቶም ከምናቱ ፈቓድ ዘይኮነ ተነሳሕቲ ሓጥኣን ናቱ ፍቓድ ብዝፈልጡን ብዝፍጹሙን ብምግባርን
ብትሩፋትን ብዛዓበዩ ጻድቃን ንክርድኡ ምግባር ናይ ለውሃቱ መግለጺ እዩ። ስለዚ ምምላድ ናይ እግዚኣብሔር ፈታሕነትን፡ ፈራድነትን
ዝጻረር ዝቃወም ዘይኮነስ ለዋህነቱ ዘገልጽ እዩ። ካብቲ ናይ ኣብነት ርህራሄኡ ዝለዓለ ኩሎም ከምቶም ጻድቃን ፈተውቱ ዘይኮኑ ከይበለ
ብናይ ጻድቃን ጸሎት ሓጥኣን ክጥቀሙ ገበረ። ነዚ መሰረት ከም ምግባር እያ ሃዋርያዊት ቤተክርስቲያን ንጻድቃን ከማልድዋ ኣእዳዋ
ትዝርግሕ።
ናይ ቅዱሳን
ኣማላድነት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ዝጠቀስናዮም ጥራይ ዘይኮኑስ ከምኡ’ውን እዚ ስልጣን እዚ ከም ዝተዋህቦም ስለዝፈለጡ፥ ስለህዝቦም
ከምዝጸለዩን እግዚኣብሔር ከምዝሰምዕምን ይነግረና። ኣብ ኦርት ዘፍ. 18፡22 እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ስለ ሰዶምን ጎሞራን
ጥፍኣት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኽምሕሮም ደጋጊሙ ለመነ። “ኣብርሃም ግን ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ደው ኢሉ ነበረ” ይብል። እዚ ዘረድኣና
ንእግዚኣብሔር ቅድሚትን ድሕሪትን ሃሊይዎ ዘይኮነስ ኣብርሃም ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ይልምን ከምዝነበር እዩ። ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር
ክልምን ከሎ እንታይ ኣእተውካ ኣብ ናተይ ፍርዲ ተኣቱ ኣይበሎም፤ እኳድኣ ልመንኡ ተቀቢሉ ስለሰዶም ጥፍኣት ኣብ ውሽጣ ሓምሳ ጻድቃን
እንተሃለዉ ኣይትምሕርን’ዶ ኢሉ ኣብ ዝለመነሉ ግዜ እግዚኣብሔር፥ እንድሕር ሃልዮምስ ምእንተኦም ክምሕራ እየ በሎ። ነገር ግን ኣብ
ስዶም እንኳን ሓምሳ ዓሰረተ’ውን ስለዘይተረኽቡ ጠፍአት።
ንሰዶምን ንጎሞራን ጥፍኣት ምኽያት ሓጥያቶም እኳ እንተኾነ፥ ኣብታ ከተማ ዓሰርተ ጻድቃን እንተዝህልዉ ነይሮም
እግዚኣብሔር ስለ እዞም ዓሰርተ ጻድቃን ክምሕራ ከምስሓሰበ ባዕሉ ብዘይዕጸፍ ቃሉ “ስለቶም ዓሰርተ ኣየትፍኣን እየ” ከምዝበሎ ንርኢ።ኮይኑ
ግን እዞም ዓሰርተ ጻድቃን ስለዘይተረክቡ እታ ከተማ ጠፍአት። ብናይ ኣብርሃም ጸሎትን ብናይ ዓሰርተ ጻድቃን ምህልላ’ውን ኣብ ሰዶም
ዝነበሩ ሓጥኣን ክመሓሩ ካብ ገበረ (ሓሰበ) እግዚኣብሔር ስለጻድቃን ክብል ሓጥኣን ከምዝምሕር ብግልጺ ኣቐሚጥዎ ንርኢ።
ካልእ’ውን
ሙሴ ካብ ደብረሲና ዓሰርተ ቃላት ዝተጻሕፈሉ ጽላት ሒዙ ናብ ህዝቡ ኣብዝተመልሰሉ አዋን፥ እስራኤላውያን ኣምልኮ
ጣኦት ስለዝጀመሩ እግዚኣብሔር ተቝጢዑ “ሕጂ ኩራይ ኣብ ኦም ኪነድድ አሞ ክውደኦም ሕደገኒ ነዓኻ ድማ ዓቢ ህዝቢ ክገብረካ እየ
በሎ”። ሙሴ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ጽለየ . . . . . ካብቲ ነዳዲ ኩራኻ ደኣ ተመለስ። ካብቲ ንህዝብኻ ክትገብሮ
ዝሓሰብካዮ ኽፍእ ድማ ተጠዓስ በሎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኩርኡ ነዲድ ከጥፈኦም ዝሓሰበ ናይ ሙሴ ኣማላድነት ተቀቢሉ “እግዚኣብሔር ድማ
ካብቲ ንህዝቡ ክገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ክፉእ ተጠዓሰ” ይብል ዘጸ. 32፡ 10-14። ነዚ ሙሴ ኣብ ዘዳግም 19፡18 -
19 እግዚኣብሔር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኮርዩ ዝነብረ ኹራ ከየጥፈኣኩም ፈራሕኩ እሞ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ኩፉእ ዝኾነ
ምእንቲ ከይተኮርይዎ ዝገበርኩምዎ ኩሉ ሓጥያት ከምቲ ቀዳማይ እንጀራ ከይበላዕኩ ማይ ከይሰተኹ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ኣብ ቕድሚ
እግዚኣብሔር ተዳፋእኩም። በታ ግዜ እቲኣ’ውን እግዚኣብሔር ስምዓኒ። ዘዳ 9፡ 18-19.
ኢዮርባኦም ዝተባህለ ናይ አስራኤል ንጉስ ጣኦት የምልኽ ስለዝነበረ ሓደ ነብይ ይመኽሮን ይግስጾን ኔሩ። ኮይኑ ግን እቲ ነብይ ሰልዝገሰጾ ብትዕቢት ንክሕዞ ኣእዳው ዘርግሐ ብኡብኡ ከኣ ኢዱ ደረቐት። ሽዑ ነቲ ነብይ “. . . እዛ ኢደይ ክትምለሰለይ በጃኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ ኢሉ መለሰሉ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብይ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሐር ተማህለለ እታ ኢድ ንጉስ ከኣ ናብኡ ተመልሰት ከም ቀደማ ኮነት” በቲ ናይ ነብይ እግዚኣብሔር ጸሎት ደሪቁ ዝነበረ ናይ ንጉስ ኢድ ሓወየ። 1ይ ነገስት 13፡ 1-6። እስራኤላውያን ብሓጥያቶም መሰረት መከራ ኣብ ዝኸበቦም ግዜ እቶም ህዝቢ ኩሎም ብሓደ ቀሪቦም ንነብይ ኤርምያስ ከምዚ በሉዎ፡ “ኣዒንትና ይርእያና ከምዘለዋ ካብ ብዙሓት ሒደት ተሪፍና ኢናሞ ልማኖና ኮታ ኣብ ቕድሜኻ ይብጻሕ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ለምነልና በልዎ” ኤር 42 ፡ 2-3 ይብል። ስለዚ ቅዱስቲ ቤተክርስቲያን ናይ ቅዱሳን ክብርን ኣማላድነትን ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ነዚይን ካልእን መረጋገጺ ትህብ።

ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ብዙሓት ኣማልድነት
ናይ ቅዱሳን ብኣፀደ ሥጋ ማለት ብሕይወቶም ከለዉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዘማልዱ ምስ ኣረጋገጽናሎም ምስ ሞቱ ግን ኣየማልዱን ኢዮም
ኢሎም ካብ ኣፍንጫ ዘይሓልፍ ክርኽር ሓዘል ኢ-መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉም ናይ ገዛእ ርእሶም የመሓላልፉ ኢዮም። ነገር ግን መጽሓፍ
ቅዱስ ቅዱሳን ብሕይወት ከለዉን ምስ ሞቱን ምልጃኦም ከምዘይፍለየና እቲ ህያው ቃል እግዚኣብሔር ይነግረና ኢዩ እንበኣር ከም ናይ
እግዚኣብሔር ፍቃድ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ብዛዕባ ኣማላድነት ቅዱሳን
ብኣፀደ ነፍሥ/ማለት ምስ ሞቱ ካብዚ ቀጺልና ንመልከት
እንበኣር ኣማልድነት ቅዱሳን ብአጸደ ነፍሲ ኣብ ክልተ ከፊልና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና።
ይቅጽል