28/10/2017

ነገረ ማርያም

ካብ ምሥጢረ ሥጋዌ ኣቐዲሙ ንነገረ ማርያም ምምሃር ይግባእ ንምንታይ እንተተባህለ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ሥጋ ዝለበሰ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለ ዝኾነ እዩ ። ንነገረ ማርያም ከይተመሃሩ ንምሥጢረ ሥጋዌ እንተ ተመሃሩ ኣምላኽ ካብ መን ሰብ ኮነ ናይ መን ስጋ ለበሰ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣጸጋሚ ይኸዉን።ነገረ ማርያም ኣቀዲምና እንድሕር ተማሂርና ግና ንንጽህናኣን ንቅድስናኣን ንድንግልናኣን ፈሉጥና ካብ ቅድስት ድንግል፡ማርያም ኣምላኽ ሰብ ኮነ ስጋ ለበሰ ኢልና ንክንምልስን ንምስጢረ ስጋዊ ንምምሃርን ምፍላጥን ይግበአና። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ብሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምኻና ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቖጺሩላ ዝነበረን ምስ ተወልደት ዉን ኣደ ኣምላኽ እናተባህለት ከም እትነብርን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከርዎ እዩ። ብዛዕባ ልደት ኣዴና ነቢይ ኢሳይያስ ከምዚ ይብል:- ኢሳይያስ 11፡1 (ትወጽእ በትር እምስርወ እሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ) ካብ ጒንዲ እሰይ በትሪ ክትወጽእ ፡ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕንበባ ጠጥዒ ክወጽእ እዩ። ተባሂሉ ተነጊሩ ነይሩ፡ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከዉን ከላ ዕንበባ ድማ ወይ ጠጥዒ ዝተባህለ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምዉላዱ ዘመልክት እዩ።
 ቅዱሳን ነብያት እግዚኣብሄር ብዝሃቦምን ብዝገለጸሎምን ረቂቅ ጥበብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት ቡዙሕ ተነብዮም እዮም ፡ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት እዉን ንቅድስት ድንግል ማርያም ከምዚ ኢሉ ነይሩ:-ዳዊት 132 ፡13፤ እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፣ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ፣እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ብሂገያ ኣለኩ'ኣብዚኣ ክነብር'የ ይብለና።ጽዮን ኢሉ ድማ ጸዊዕዋ ንቅድስት ድንግል፡ማርያም ምኻኑ ምርዳእ የድሊ። ካልእ ዉን ነቢይ ኢሳይያስ ከም ትወልድን ምስ ወለደት ከኣ ብንጽሕናን ብግንግልናን ኣምላኽ ከም እትወልድ ከረድእ ከሎ:- እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ"እነሆ ድንግል ክትጸንስ 'ያ ወዱ ዉን ክትወልድ'ያ ስሙ'ዉን ኣማኑኤል ክትሰምዪ'ያ ኢሉ'ዩ ኢሳ 7፥14 እዚ ትንቢት'ዚ ቅድስት ድንግል ማርያም እትወልደሉ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ኣካናዊ ቃል እግዚኣብሄር ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ካብኣ ከም ዝዉለድ ዝገልጽ'ዩ፡ ስሙ ዉን ኣማኒኤል ክበሃል እዩ።ኣማኒኤል ማለት ድማ እግዚኣብሄር ምሳና ማለ ምኻኑ ንባቡን ትርጉሙን ጺሒፍዎ ኣሎ። እሞ ነዛ ቅድስት ኣደ ትዉልዳ ከመይ ከም ዝኮነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኮነ ናብ ትዉልዳ ነገር ንመለስ። ትዉልዲ ድንግል ማርያም

በትሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳለም ብሓድነት ዝነብሩ ነበሩ።ንሳቲም ዉን ንእግዚኣብሄር ዝኣምኑ ዝተፈተዉ ብሩኻት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሄርን ብቑዓትን ቡዙሕ ሃብቲ ዝነበሮምን ሰባት ነበሩ። ንሳቶም ዝወርስ ዉላድ ዘይነበሮም ሰበይቱ መካን ንሱ ድማ ካልእ ሰበይቱ ዘይፈልጥ ስለ ዝነበሩ ሃብቶን ዝወርስ ዉላድ የብልናን እና በሉ ይዘራረቡ ነበሩ። ሰበይቱ ድማ ኣምላክ እስራኤል ዝገብሮ ነገር ዝፈልጥ የለን ትማሊ ምሸት ብሕልመይ ጻዕዳ ምራኽ (ብተይ) ካብ ማህጸነይ ክትወጽእ እታ ጻዕዳ ምራኽ ዉን ጻዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበላ ክሳብ ሸዉዓተ ትዉልዲ ክዋለዱ እታ ሻዉዖይቲ ንወርሒ ክትወልድ እታ ወርሒ ድማ ንጸሓይ ክትወልድ ረአኩ በለቶ።ንሱ ዉን እቲ ራኢይ ጹቡቅ'ዩ ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈታሕ ከይዱ ኩሉ ነገሮ እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ እግዚኣብሄር ብምሕረት ሪኢኩም እዩ፡7ኣንስቲ ምራካት ምዉላድኩም 7ኣዋልድ ክትወልዱ ኢኩም ካብኣታተን እታ ሻዉዓይቲ ንወርሒ ምዉላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኩም ናይ ጸሓይ ነገር ግን ኣይፈለጥክዎን በሎም።
አንስቲ
1ኤሜን
5ሴትና
2ዴርዴ
6ሄርሜላ
3ቶና
 7 ሃና
4ሲካር
ወርሒ ዝተባህለት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ
  ብ 9 ወርሒ 5 መዓልትን ጋል ለደት ኣብ ሻምናይ መዓልታ ድማ ሽማ ሄኤሜን ኣዉጹእላ ሄኤሜን ማለት ዝተማባጻዕናዮ ረኪብና ማለት እዩ።ኣካለ መጠን ምስ በጽሓት ድማ ኣመርዉዋ ጋል ወለደት ስማ ዴርዴ በልዋ ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለር እዩ። ዴርዴ ጋል ወለደት ስማ ቶና በልዋ ቶና ማለት ራኢይ ሪእና ነገር ረኪብና ዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና ዉን ወለደት ስማ ሲካር በልዋ ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ።ሲካር ድማ ኣመርዓዉዋ ጋል ድማ ወለደት ስማ ሴትና በልዋ፡ ሴትና ማለት ስራሓ ዝጸበቐ ብግባራ ዝሰመረ ጽብቕቲ ማለት'ዩ። ሴትና ድማ ኣመርዓዉዋ ጋል ድማ ወለደት ስማ ሄርሜላ ኣዉጽኡላ ሄርሜላ ማለት ካብ ኩቡራት ካብ ሃብታማት ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ሄርሜላ ድማ ኣመርዓዉዋ ጋል ድማ ወለደት ስማ ሃና ኣዉጽኡላ፡ ሃና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸንዐት ብንጽህና ዝተሸለመት ብርክትን ክብርትን ልዕልትን ፍጥረት ማለት እዩ።  
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትዉልዲ ንምቁጻር ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉን እዘን ሸዉዓተ ኣንስቲ እየን። ሃና ዉን ብስርዓት ዓቢያ ን ኣካለ መጠን ምስ በጽሓት ካብ ቤተ መንግስቲ ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ንዝበሃል ሰብ ኣመርዓዉዋ ሃናን ኢያቄምን ብሓደ እና ነበሩ ዉላድ ኣይነበሮምን። በዚ ድማ ዉላድ ክህቦም ኩሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር ይልምኑ ነበር።ወዲ እንተ ወለድና ሓሪሱ ኩዒቱ የብልዐና ኣይንብልን፡ንቤት እግዚኣብሄር የገልግል ጋል ዉን እንተኮነት ማይ ቀዲሓ መሶበወርቅ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንቤተእግዚኣብሄር ተገልግል ኢሎም ተመባጽዑ።ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘከልእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንልመናኦም ሰሚዑ ብነሐሰ 7ብዕለይ እሑድ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእክቲ ዝኸበረት ፍጥረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጸንሰት፡ድሕሪ 9ወርሕን 5መዓልትን ድማ ማሕቲ ማለት 1ግንቦት ተወልደት።
ና ቅድስት ድንግል ማርያም ብመብጽዓ ስለ ዝተረክበት ኣቦኣን ኣዴኣን ነቲ ፍቕሪ ከይጸገብዎ ናይ ቆልዓ ሓረርታኦም ከይወጸሎም ኣብ ሰለስተ ዓመታ ንቤተእግዚኣብሄር ከተገልግል ሂቦማ።ኣብ ቤተ መቅደስ (ቤተእግዚኣብሄር)12 ዓመት ምስ መልአት ግና ኣይሁድ ዕድሜኣ ቖጺሮም ንኣካል መጠን በጺሓ እያ ናይ ኣንስቲ ልማድ ክመጻ ይክእል 'ዩ እሞ ቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትዉጻእ ኢሎም መኸሩ።ኣጌና ቅድስት ድንግል ማርያም ዋላ'ኻ ካብዚ ነገራት 'ዚ ንጽህቲ እንተነበረት ነቲ ዝነበረ ሓሳብ ስለ ዝተቐበልዎ ኣብ ክንዲ ኣብ ቤተመቅደስ ኣብ ገዛ ዮሴፍ ኮይና እንዳተመላለሰት ረገልግል ነበረት።ኣዴና ብሃልዮ፡ ብነቢብ፡ ብገቢር፡ብምርኣይን፡ብምስማዕን ድንግል ስለዝኾነት እዚ ቅድስናኣ ኣደ ኣምላኽ ክትኸዉን ስለ ዘብቕዓ እቲ መልኣኽ ቅዱስ ገብሪኤል ንእግዚኣብሄር ወልድ ከምትወልድ ኣበሰራ። ሉቃ 1፡26
ዘለአለማዊ ድንግልና ቅድስት ድንግል ማርያም
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝተፈልዩ ፍልይቲ ካብ ዝኸበሩ ክብርቲ ዝገበራ ማሕተመ ድንግልንኣ ከይተለወጠ ንኣምላኽ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ምውላዳ ኢዩ (ማቴ 1፡18-20)። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጎይታ ቅድሚ ምጥናሳ፡ ድሕሪ ምጥናሳ፡ምስ ጠነሰት፡ ቅድሚ ምውላዳ፡ ኣብ ግዜ ምውላዳ፡ ድሕሪ ምውላዳ ድንግል ኢያ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ካልኦት ኣንስቲ ተፈልያ እግዚኣብሔር ካብ ዝፈጠራ ጀሚሩ ብሓሳብ፡ ብምዝራብ፡ ብግብሪ(ብስራሕ)ንጽህቲ ድንግል ኢያ። ድንግል ዝብል ቃል ንጽህንኣን ቅድስናኣን ጥራሕ ዘመልክት ዘይኮነስ ፍልይቲ ምዃና’ውን የመልክት ኢዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዝነበራን ካብ ዘለዋን ኣንስቲ ከም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደነት ምስድንግልና፡ድንግልና ምስ ኣደነት ኣተሓባቢራ/ኣጣሚራ ዝተረኽበት ሰበይቲ የላን። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለኣለማዊት ድንግል ምዄና ናይ ኦርቶዶርስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እምነት እዩ፣፣(መኃ 4፡5)።
 ነቢይ ሕዝቄል ዝረኣዮ ራእይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ኢዩ ዝገልጽ (ሕዝ 44፡1=2)። ናብ ምብራቕ እትርኢ መጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ኸኣ እያ እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ ኣይትከፈት፣ ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፣ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሃልዮ ብነቢብ ብገቢር ድንግል እያ፣፣ አሕዋትና ደቂ አንስትዮ ብግብሪ ድንግል እንተኾና ብሓሳብ ግና ደናግል ክኾና አይክእላን እየን ድንግል ማርያም ግና ብሓሳብን ብግብርን ድንግል እያ፣፣
 ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ’ውን “ቅዱስ ገብርኤል ናብ ሓንቲ ድንግል ተላእከ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ኢዩ” ብምባል ብዛዕባ ድንግልንኣ ተዛሪቡ ኢዩ (ሉቃ 1፡26-28)።ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ ኢያ”(ኢሳ 7፡14) ብምባል ብስማን ብግብራን ድንግል ኢልዋ ኢዩ። ወንጌላውያን ማቴዎስን ሉቃስን ኣብ ላዕሊ ዝተነግሩ ትንቢታት ከመይ ኢሉም ብተግባር ከም ዝተርጎምዎ መስኪሮም ኢዮም(ማቴ 1፡18 ,ሉቃ 2፡34-35)። ድንግል ማርያም ብድንግልና ጸኒዓ ዘላ ኣደ ኣምላኽ ኢያ እምበር ካልኦት ደቂ ዝወለደት ኣይኮነትን።

 ዝተመረጸት ኣደ ኣምላኽ ንምዃን ጥራሕ ኢዩ። ዝኾነ ክርስቲያን ኢየ ዝብል ሰብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህሪ ኣምላኽ ምዃኑ ክጠራጠር ኣይግባእን ኢዩ። ንሱ’ውን ኣብ ቤተልሔም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ ፍሉጥ ኢዩ፡ ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምዃና ዝከሓድ ኣይኮነን ንክርስቶስ ኣምላኽ ኢልካ ንድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምባል ግድን ኢዩ
1)“ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሔር ክበሃል ኢዩ”(ሉቃ 1፡35-36)።
2)”ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተፈለኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ናይ ማሕጸንኪ ፍረ ዝተባረኸ ኢዩ። ኣደ ጎይታይ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ (ሉቃ 1፡42-43)።
3) “ግዜኡ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን ንሕና’ውን ናይ ውልድነት ስልጣን ምእንቲ ክንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕጊ’ውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ” (ገላ 4፡4-5) ዝብሉ ምስክራት ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምዃና የረድኣና። እንተኾነ ሓደ ሓደ ወገናት፥ “ናብ ዮሴፍ ተሓጽያ” ዝብል ሓይለ ቃል ጥራሕ ብምጥቃም ዘይተጻሕፈ ከንብቡ ይስምዑ። ኣብ ማቴዎስ ወንጌል 1፡20 ን ኣብ ሉቃስ ወንጌል 1፡27 ዘሎ ኣዴና ናይ ዮሴፍ ሕጽይቲ ድሕሪ ምባሉ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል 2፡13, 14
20፡/21 ናይ ዮሴፍ ሕጽይቲ ምባልተሪፉ ነቲ ሕጻን ምስ ኣዲኡ ምባል ተጀሚሩ ንምንታይ፧
ኣረጋዊ ዮሴፍ ንቅድስት ኣዴና ድንግል ማርያም ናብ ቤቱ ክወስዳ ዝተኣዘዘ

ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል