28/10/2017

ነገረ ሃይማኖት

ሃይማኖት፡ “ሀይመነ፥ ኣመነን ተኣመነን” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወፅአ ስም ኮይኑ፡ ትርጕሙ ኸኣ ምእማንን ምእማንን (እሙን ምዃንን) ማለት እዩ። 
እምነት፡ “አምነ፥ ኣመነ” ካብ ዝብል ግሢ ዝመንጨወ ኾይኑ፡ ትርጕሙ ድማ ብዛዕባ እግዚአብሔር ንዝተመሃርካዮን ንዝረኣኻዮን፡ “ሓቂ እዩ፣” ኢልካ ብምሉእ ልብኻ ምቕባል ማለት ክኸውን ከሎ፣ ተአምኖ ማለት ከኣ “ተአመነ፥ እሙን ኮነ” ካብ ዝብል ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ፡ ነቲ፡ “ሓቂ እዩ፣” ኢልካ ዝኣመንካሉ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምምስካርን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ማለት እዩ። “እምከመ ተአምን በአፉከ ከመ ክርስቶስ ውእቱ እግዚእ፣ ወተአምን በልብከ ከመ አንሥኦ እግዚአብሔር እሙታን፡ ተሐዩ።/ ብኣፍካ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ኣሚንካ፣ ብልብኻ’ውን እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ከም ዘተንሥኦ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድኅን ኢኻ።” (ሮሜ ፲፥፰-፲/10፥8-10)።ስለዚ ብዛዕባ ፈጣሪ ንዝንገረካ ብልቢ ኣሚንካ ምቕባል፡ ነቲ ዝኣመንካሉ ድማ ብልሳንካ ምምስካርን ኣብ ግብሪ ምውዓል ወይ ብግብሪ ምግላጽን ተጠቓሊሉ፡ ሃይማኖት ይብሃል።

ሃይማኖት ዝብል ቃል ብካልእ መገዲ ሰፊሕ ሓተታ ዘለዎ እዃ እንተኾነ ብሓጺር ቃል ምስ እንርእዮ ነዚ ዓለም ሰራዒ መጋቢ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ እቲ ብሓድነት ብስለስትነት ዝምለኽ እግዚኣብሔር እዩ። ኢልካ ምእማን እዩ፣ እግዚኣብሔር ብሓድነትን ብስለስትነትን ዘሎን ዝነብርን ብምዃኑ እቲ ክድሕን ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ህልውና ሥላሴ ክኣምን ግዴታኡ እዩ ። ብኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማለት ብናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ዘይኣምን ዘበለ ካብቲ ሓቀኛ እምነት ወጻኢ እዩ። (ዮሓ14።11, ዮሓ17።1, ዮሓ14።15-17, 2ቆሮ3።14, ዮሓ15።26, ዮሓ.1።14)
ከምቲ ገዛ ብመሰረት ዝቐውም ንድኅነት መሰረት ዝኸውን ሃይማኖት (እምነት) እዩ። ሃይማኖት መሰረት ናይ ድኅነት እዩ ክንብል ከለና ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም ምእማን ሥላሴ ብኣካል ሰለስተ ብመለኮት ሓደ ኢልካ ምእማን ኮይኑ ካብ ንጽህት ቅዱስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ዝተወለደ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ፣ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ፣ ኢልካ ምእማን እዩ። ነዞም ዝጠቀስናዮም ክልተ ትምህርቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ምሥጢረ ስላሴን ምስጢረ ሥጋዌን ይበሃሉ። ሓደ ሰብ ንክድሕን በዘን ክልተ ክኣምን ኣለዎ።
ጥምቀት ከፉት ማዕጾ ናይ ድኅነት እዩ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥምቀት ናብ ድኅነት መእተዊ ምዃኑ እንክገልጽ “ሰብ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን” ዮሓ.3።5 ኢሉ እዩ። ካብ ማይን መንፈስን ምውላድ ማለት ምሥጢረ ጥምቀት ምፍጻም ማለት ምዃኑ ርግጽ እዩ። ኣብ ካልእ ስፍራ ጎይታ ባዕሉ ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድኅን” ብማለት ኣብ ሃይማኖት ዝተሰረተ ሰብ ሃይማኖቱ ብጥምቀት ከጽንዖ ከምዝግባእ ምሂሩ እዩ። ማር.16፦16፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም በዓል ሸዊት ከኽብሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርሱ ምስ መሃሮም ብትምህርቱ ልቦም ስለ ዝተወግአ እንታይ ንግበር ኢሎም ንዝሓተትዎ ሕቶ ንኽድሕኑ ክጥመቑ ከምዘድልዮም ከምዚ ክብል ኣረዲእዎም “ተነስሑ ነብሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቅ” (ግ.ሓ.2።37)
ስብከት ሓዋርያት ሰሚዖም ብናይ ጐይታ ኣምላኽነት ዝኣምኑ ልድያ፤ ቆርኔሌዎስን ሓላዊ ቤት ማአሰርቲን ኩሎም ተጠሚቆም ኢዮም (ግ.ሓ10፣47,ግ.ሓ16፣15-31)፣ ስለዚ ወዲ ሰብ ንክድኅን ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክጥመቕ ይግባእ። ማቴ 28።19-2
ቅዱስ ቁርባን መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ሥጋኡን ደሙን ኣይትውረስን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ በሊዕና ክቡር ደሙ ሰቲና ንክንድኅን በቲ ዘይሓልፍ ቃሉ ምሂሩና እዩ። “ክበልዑ ከለው ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ ባሪኹ ቈሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ በሎም፣ ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ።” (ማቴ. 26፦26፦29)
እዚ ህያብ`ዚ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኩሉ ክድሕን ዝደሊ ሰብ ክቅበሎ ግዴታኡ እዩ። ነዚ ኸኣ ባዕሉ ጐይታ ነጊሩና እዩ። ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም ደሙውን እንተ ዘይስቴኹም ህይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣላቶ። ኣነውን በታ ዳሕራወይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ ኢዩ፣ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ ኢዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይዉን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነዉን ኣብኡ። ዮሓ 6፣53-56 ጎይታ ”ሥጋይ ብልዒ ሓቂ ኢዩ እሞ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ ኢዩ” ብምባል ንቅዱስ ቁርባን ምቕባል፣ ንመዘከርታ ዘይኮነ ድኅነት ዝርከቦ ኣማናዊ ስጋኡን ደሙን ምዃኑ የረዳኣና፣
ሠናይ ግብሪ ሃይማኖት ብዘይ ግብሪ። ግብሪውን ብዘይ ሃይማኖት በበይኑ ረብሓ ከም ዘይብሉ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ገሊጽዎ እዩ።ያዕ2፣26 ስለዚ እቲ ህይወት ዝርከቦ ሃይማኖት ግብሪ ዘይብሉ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብግብሪ ዝተሰነየ እዩ። ሃይማኖትን ግብርን ከም ሥጋን ነፍስን ዝተዋሃዱ እዮም። ሓደ እንተተፈልዩ ነፍሲ ከም ዘይብሉ ሥጋ ማለት እዩ። ግብሪ ዝህልወና ብሕጊ ኣምላኽ ምስ እንምራሕ እዩ። ሕግታት ኣምላኽ ምሕላው ሓደ ካብቲ መንገዲ ድኅነት እዩ።1ዮሓ 2፣29 1ዮሕ3፣9-10 እምነት ኣለኒ እንዳበለ ሰናይ ግብሪ ዘይብሉ ዲያብሎስ ጥራይ እዩ። ከመይ ሰናይ ግብሪ መግለጺ ቅንዕቲ ሃይማኖት ስለ ዝኾነት።
መንፈሳዊ ተጋድሎ መንፈሳዊ ተጋድሎ ማለት ንሥጋ ብነፍሲ ኣግዚእኻ ብፍቃድ ኣምላኽ ምንባር ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ክርስትና ዝዓበየ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም ምስ መሳፍንቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ሥጋን ደምን ኣይዀነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ክትክእሉስ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” ከምዝበለ (ኤፌ.6፦11፦12)
ኣቦታት መነኮስት፤ ኣዴታት መነኮሳያት፣ ኣጎዛ ተከዲኖም እምኒ ተተርኢሶም ምስ ገዛኢ ጽልመት ዲያብሎስ እንዳተቓለሱ ኣብ በዓቲን ጎዳጉድን ናይ ምንባሮም ምሥጢር ንድኅነት እዩ ነይሩ። ምናልባት ነዚ መንፈሳዊ ገድሊ ክፍጽሙ ዘይኸኣሉ በዚ ንሥጋ ዘድክም ህይወት ምሕላፍ ዘይደልዩ ወገናት ገዛእ ርእሶም ኣብ መጋረጃ ጥበራ ሸፊኖም ድኅነት ብጸጋ እዩ ዝርከብ እምበር ብተጋድሎ ኣይኮነን ብምባል ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘለዉ ዝነቅፉ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ እዩ።
                               ትምህርቲ ሃይማኖት
                     1ይ ዶጉማ
                    2ይ ቀኖና ይበሃሉ

ናይ ቤተ_ክርስትያ ሊቃውንቲ ንትምርተ ሃይማኖት ‘‘ዶግማን ቅኖናን’’ብዝብሃሉ ክልተ ክፍልታት ይኸፍልዎ።
ዶግማ ዝብል ቃል ካብ ግሪክ ቓንቓ ዝተረኸበ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ካኣ መሰረተ እምነት ማለት’ዩ።
ቀኖና ማለት ከኣ ሕገ -ቤተ ክርስትያን ማለት አዩ።ብናይ እንግሊዝ ቓንቓ ካኖን (canon) ይብሃልካብዚኦም ዶጉማ  ወይ እምነት አይዉሶኮን አይጎድሎን አይመሓየሽን፣ ሽግር ፈተና እንተ መጸ ክሳብ ሞት አጥቢቅና  እንሕዞ እዩ፣ንአብነት፥ እዚ ዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር አምጺኡ ዝፈጠረ ዝምርምር እምበር ዘይምርመር ኩሉ ዝክእል አምላክ ዝሰአኖ ነገር ዘየለ ፈጣሪ ናይ ሰማይን ምድርን ጎይታ ሕያዉ እግዚአብሄር እዩ፣ ናብ ዶግማ ማለት ቓል እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሰብ ይኹን መልኣኽ ክውስክ ክንኪ ሥልጣን ዝተዋህቦ ወይ ዝተፈቕደሉ ከቶ የልቦን። ከመይ ሓዋርያ ጳውሎስ “ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ ሕጂውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ ንሱ ውጉዝ ይኹን እብል ኣሎኹ። ስለ ዝበለ። (ገላ፡ 1፡8-9)

                               ቀኖና

ቀኖና ግና ብአምላክና ብእየሱስ ክርስሮስ ንዝአመኑ ክርስትያን ዝምርሑሉ ስርዓት ስለ ዝኮነ  ብአቦታት ቤተ ክርስትያን ማለት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ጊዜኡ ክጎድል ዝክእልን ክዉሰክ ወይ ክመሓየሽ ቀኖና ይበሃል፣ ጎይታ ንሓዋርያት “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም ናብ ኵሉ ሓቂ’ውን ኪመርሓኩም እዩ” ከም ዝበለ (ዮሃ፡16፡13) ሓዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ጽሑፍ እዚ መልሲ ከጽድቖ ከሎ፥ “ንሕና ግና መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና” ኢሉ ቀኖና’ውን ስራሕ መንፈስ ቅዱስን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖም ሰባትን ከም ዝዀነ ኣረጋገጸልና። (1ቄረ፡2፡13) ሓዋርያትን ኣበውን ንቀኖና ብመንፈስ ቅዱስ ማለት እቲ መንፈስ ሓቂ ተመሪሖም ከም ዝሰርዕዎ የረጋግጸልና። ቀኖና ናብቲ ንጹህ ዝዀነ ቓል እግዚኣብሔር ኣበር ከይውሰኾ ብሓዋርያትን ኣቦታትን ብመንፈስ ቕዱስ ተመሪሖም ዘቑሙዎ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝሕሉ ጽሑፋት እዩ።
ብርግጽ ኣቦታት ከም ዝኣመትዎ ኣብቲ ሰለስተ ጉባኤታት ድማ ከም ዝተራእየ ንቀኖና እንተነውሔ ከነሕጽረሉ እንተ ሓጸረ ድማ ክንልቕበሉ በቶም ነዚ ሥርዓት እዚ ዝሰርዑ ኣቦታት ተፈቒዱልና ኣሎ። ይኹን እምበር ንቐኖና ክንውስኸሉን ከነሕጽረሉ እንኽእል ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን  ብቅዱስ ሲኖዶስ ብመሪሕነት መንፈስ ቕዱስ ድኣ ይስራዕ እምበር ብዝኾነ ኣይስራዕን። ጊዜ ረኪበ ከምዚ ክከዉን አለዎ እናበለ  ዝዀነ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ወይ መራሕ ሃገር ወይ ዝዀነ ሓያል ሓይሊ ስለ ዝረኸበ ወይ ቃሕ ስለ ዝበሎ ተነጺሉ ከውስኽ ወይ ከጉድል ፈጺሙ ኣይፍቀደሉን። ከመይሲ ቀኖና ሓላ እምነት ሓጹር ንትምህርትን ንቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ። ተዘይ ዀነ  ኣርዮስ መቅደንዮስ፥  ንስጥሮስ  ወዘተ ዝተባህሉ ከሓድቲ ብቀኖና እንተዘይ ክልከሉ ንቓል እግዚኣብሔር ሓጹር ጥሒሶም ኣትዮም፥ ከም ድላዮም ምገበሩዎ ነይሮም። ቀኖና ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ፥ ክርስትያን ኣብ መትከል እምነት ክሳዕ ሞት ምእንቲ ክጸንዑ፥ ካብ ሰበኻ ክሳብ ዓለም ለኻዊ ዘለዉ መእመናን ዘነባብር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ድማ ንዶግማ ገፈል ከይኣትዎ ከዲኑ ዘነባብር ልምድን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ከይቅየር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝሕሉ  ድማ ቀኖና እዩ።
ካብ ሓንቲ ሃይማኖት(እምነት) ቡዙሓት ወጺኦም ብከመይ ከዱ
መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖት ሓንቲ ምካና ይነግረና።ግና እዚ ኩሉ ሃይማኖታት ንምንታይ መጸ?እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣብ ቀረና ጎደናታት ደዉ ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታት እቲ ጽብቅ ጎደናን ኣየናይ ሙካኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመልለሱ።ሽዑ ንነፍስኩም ዕረፍቲ ክትረክቡ ኡኩም በለ። ንሳቶም ግና ኣይንመላለስን እሎም መለሱሉ፣ኤር 6፣16 ሰባት ኣይሓተቱን እታ ጥንታዊት መንገዲ እዉን ኣይተመላለሱን ናይ ርእሶም ፈጠራ መንገዲ መረጹ፣ስለዚ አዮም ዝሰሓቱ፣፣መንገዲ ኡሉ ዝተዛረቦ ሃይማኖት እምነት ማለት አዩ።እዚ ኣጥቢቅና ንምርዳእ ድማ ኣብ ዕብ 13፣7 ዘሎ ቃል ምንባብ የድልየና “ነቶም ቃል ኣምላክ ዝሰበኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም ከመይ ኡሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተዊዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ፣ኡሉ ደንጊግዎ አዩ።ኣቦታትና እንታይ ኣሚኖም?ኣቦታትና እንታይ ኣምሊኾም ሓሊፎም? ኡልና አነ ሓቲትና ባዕሉ እቲ ቃል አዩ ዝምልሰልና፣ስለዚናይ ሎሚ ሰባት ብእምነትን ብሃይምኖትን ንዓአቶም ነቶ ቃል ኣምላክ ዝምሃሩና ኣቦታትና ክንመስል ይግበኣና፣ስለዚ ኡዮም ከኣ ዝመከሩናን ዝመሃሩና።ነዚ አዩ ብሃዋርያትን ብነብያትን ተሃኒጽና ንእምኒ መኣዝን ዝኮነ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርካብ ይከኣል፣፣ከም መጽሓፍ ቅዱስ ኣገላልጻ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን ዝኮነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽኩም ደጊም ደቂ ዓዶም ንቅዱሳን ስድራ ቤት ኣምላክ ኢኩም ይብለና ኤፎ 2፣20
ክርስትያን ብናይ ጎይታና ስም ንመጀመርታ ጊዜ ዝተመስረተ ኣብ ኣንጾኪያ እዩ፣፣መጽሓፍ ቅዱስ ደቂ መዛሙርቱ ሃዋርያት ናይ መጀመርታ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስትያን ተባህሉ ይብል፣፣
1ይ ጉባኤ ድሕሪ እዚ ክሳብ 325 ብሓደ ቃልን ብፍቅርን ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተጎዓዘሉ ዝነበረት ጊዜ ኣርዮስ ዝተባህለ ተወላዲ ልብያ ዝኮነ መናፍቅ ኢየሱስ ፍጡር ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዘሎዓለሉ ጊዜ ቤተ ክርስትያን ደወላ ክትሃርም ድምጻ ክተስምዕ ግደታ ኮና፣፣እዚ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስትያን ናይ መጀመርታ (ቀድማይ ጉባኤ)ኡዩ፣፣እዚ ክበሃል ከሎ ግና ምስቲ ብተመሳሳሊ ስም ቀዳማይ ጉባኤ ሓዋርያት እናተባህለ ዝንገረሉ ብምክንያት ካብ ወገን ኣሕዛብ ክርስትና ዝተቀበሉ ኣሕዋት ብከመይ ንሓዞም ዝብልን ኣብ መንጎ ካብ ይሁድ ወገን ካብ ኣሕዛብ ዝመጹን ኣባልት ቤተክርስትያን ዝተባህለ ምፍልላይ ንምዕራፍ ሓዋርያት ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘቃንዕዎ ጉባኤ ከአናግረና የብሉን፣፣ብርግጽ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም ብጊዜ ዝቀደመን እንተ ኮነ ምክንያት መኣከቢኦም ግና ናይ ምሕደራ ርዲኢትን ድሕረ ባይታን ሜላ ስብከትን ጉስነትን ዘጠቃልል ዉሽጣዊ ጸገማት ብምንባሩ እምበር ናይ ክሕደትን መናፍቅነትን ኣብ ሃይማኖት ብዘይ ሙኻኑ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ገና ቤተክርስትያን ካብ ስደትን መከራን ግፍዕን ከየዕረፈት ሙሉእ ናጽነትን ርግኣትን ከይ ረከበት ከላ ብዝተቃንዖ ብሙኻኑ ከም ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስትያን ኣይተመዝገበን፣፣
ጀማሪ ጉባኤ ብሙኻኑ ከኣ ቤተክርስትያን እዉን ነቶም ካልኦት ጉባኤታት መበገሲ ዝገበረቶ ብሙኻኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ናይ 1ይ ጉባኤ>> ጉባኤ ንቅያ ምልስ ምስ እንብል ቤተክርስትያን ኩሉ እቲ ዝበጽሓ ስደትን መከራን ብዘመነ ሃዋርያ ጀሚሩ ኽሳዕ 70 ዓ.ም ብመሰጋገሪ ዘመን 70—160 ዓ.ም ሓሊፉ ብዘመነ ሰማእታት 160—313 ዓ.ም ገፋዕቲ ነገስታት ከም በዓል ኔሮን ቄሳር መክስምያኖስን ዲዮቅልጥያኖስን ሓሊፎም ብንጉስ ቆስጦንጢኖስ ወዲ ንግስቲ ኢለኒ ሙሉእ ናጽነትን ሰላምን ርግኣትን ረኪባ ብናይ ባዕላ ሕግን ስርዓትን እና ተመርሐት ቤተክርስትያን ናጻ ዝኮነ ስብከት ክትሰብክ ካብ እትጀምር ዘካየደቶ ናይ አጀመርታ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሙኻኑ ኢዩ፣፣ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጹ ኣመንቲ ዝተቃንዖ ንኩለን ሊቃነ መናብርቲ ዘሳተፈ ንመናፍቃን ከይ ተረፈ እዉን ናጻ ክይኖም ሓሳቦም ከፍስሱ፣ትምህርቶም ከስምዑ ምሉእ መሰል (ዕድል) ዝሃበ ብናይ ዘመና ኣገላልጽ (ነጻ ፕረስን ዲሞክራስን) ዓብይ ፋላሚ ባኤ ብምኻኑ ዩ፣ኣብ ታሪክ ቤተክርስትያን ቀዳማይ ጉባኤ ተባሂሉ ተደንጊጉ እንረክቦ፣፣
ንጉባኤ ንቅያ ምክንያት ዝኮነ ክሕደት መናፍቅነት ናይ ኣርዮስ ኢዩ ነይሩ፣፣ኣርዮስ ናይ ኣብ ተወላዲ ልብያ ዝኮነ ግና ኣብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ እግሪ ቅዱስ ጰጥሮስ ተፍጻመተ ሰማእት ዝተመሃረ እንተ ኮነ ግና ትምህርቲ ናይ መምህሩ ገዲፉ ካልእ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ከተኣታቱ ወልድ ፉጡር እና በለ ኣፉ መሊኡ ክሰብከሉ ምስ ጀመረ እዩ ቤተ ክርስትያን ጉዳዩ ብጉባኤ ክረኣ ዝወሰነት፣፣ናይ ኣርዮስ ክሕደት ንምስጢረ ስላሴ ምስጢረ ስጋዊ ዘዘናብል ትምህርቲ እዩ ነይሩ፣ስለዚ ድማ ካብ ሙሉእ ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት ዝተሓረዩ 2340 ዝኮኑ ኤጲስቆጶሳትን ሊቃዉንትን ካብ 21 ሚያዝያ ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ንቅያ ብትእዛዝ ንጉስ ቆስጦንጢኖስ ተኣከቡ።ካብዚኣቶም 318 ሊቃዉንቲ ከም ሓደ ልቢ መካሪ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ብሙኻን ሓሳቦም ሓደ ኮይኑ ስለ ዝተረክበ ንጉዳይ ኣርዮስ ክምርምሩ ተገብረ።ብ 9 ሕዳር 325 ዓ.ም ግእዝ ጉባኤ ተጀመረ። ኣርዮስ ሓሳቡን እምነቱን ክገልጽ ነጻ መድረክ ተዋህቦ(ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ ኣብ ከመ እኩን በቅድመ ኩሉ ተግባሩ)ምሳ 8፣22 ዝብላ ጥቅሲ ነጸላ ትርጉሙ ብምጥቃም ትሕቲኡ ዘሎ ቅዲስ ጽሑፍ ብዘይ ምግንዛቡ። ጥበብ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርስቶስ አዩ ቀዳማይ ፍጥረት ናይ አግዚኣብሄር ኣብ ኢዩ፣ንካልኦት ፍጥረታት ግና ልእኩ ኮይኑ ሓጊዝዎ አዩ፣ ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ኣፍሰሰ።ኣብቲ ሰዓት ወይ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኣቦኡ ናይ እለእስክንድሮስ መሰነይታ ዝመጸ ድያቆን ነበረ ይብል ኣብቲ ታሪክ ኣብቲ ጊዜ ድያቆን ኣትናትዮስ ካብ ዝነበረሉ ወንበር ብድድ በለ አሞ ኣርዮስ ወዲእካ.ዶ ድሕሪ ብምባል ከምቲ ንሳካ ዝበልካዮ ዘይኮነ
• ወልድ (ኢየሱስ ክርስቶስ)ናይ ኣብ ፉጡር ዘይኮነ ባዕሉ ፈጣሪ እዩ።
• ከም አግዚኣብሄር ኣብ እዉን ይምለክን ይድገደሉን።
• ሰብ ስለ ዝኮነ ካብ ኣምላክነቱ ዝጎደሎ ከም ዘየለን ብፍጥነት መጽሓፍ እና ገንጸለ ኣፉ ኣትሓዞ።ጉባኤ ኩሉ ከም ሓደ ልቢ ከም ሓደ ቃል ናይ ኣትናትዮስ እምነት ናትና እምነት ናይ ኣትናትዮስ ቃል ናትና ቃል በሉ፣ምክንያቱ ኣትናትዮስ እቲ ሓቂ ካብ መጽሓፍ ስለ ዝመስከረ።ኣብቲ ጊዜ እትይ ካብ ክሕደቱ ክምለስ ተመነ ክምለስ ስለ ዘይከኣአ ካብ ቤተክርስትያን ብዉግዘት ተፈለየ 318 ብቲ ጊዜ ንደሓር እዮም ጸሎት ሃይማኖት ደሪሶም ኣብቲ ፍር ምስ በጽሑ ከምዚ ዝበሉ ካብ ብርሃን ዝተረክበ ብርሃን ካብ ሓቀኞ ኣምላክ ዝተረክበ ኣምል ዝተወለደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፣ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኮነ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ፣ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኩን ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን።ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓና ካብ ሰማይ ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ ሰብ ኮነ ብምባል ጺሒፎምልና ሓሊፎን ስለዚ ኩሉ ጊዜ ነዛ ጸሎት ክንደግማ ይግበኣና።ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።
2ይ ጉባኤ ቆስጦንጥንያ
 ካብ ኣርዮስ ቀጺሉ ብሰይጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክህዉክ ዝፈተነ መቅደንዮስ ዝተባህለ መናፍቅ እዩ፣፣እዚ መናፍቅ ካብ ቅድስተ ስላሴ ካብ ሰለስቲኦም ኣካላት መንፈስ ቅዱስ ሕጹጽ (ፉጡር)እዩ፣ኣካል የብሉን ኢሉ ኣብ ቆስጦንጥንያን ከባቢኡን ቡዙሓት ሰባትን ቤተክርስትያንን ክህዉክ ጀሚሩ።ኣብዚ ጊዜ እዚይ ቤተ ክርስትያን ተቃዉሞኣ ክተስምዕ ግድን ስለ ዝኮነ ከኣ ድምጻ ኣስመዖት።
 381ዓ.ም ጉባኤ ክትገብር ተገደደት።እዚ ድማ ንምስጢረ ስሴ ዝትንክፍ ናይ ክሕድት ትምህርቲ እዩ ኣምጺኡ።በዚ ምክንያት ከአ 150 ሊቃዉንቲ ካብ ኣርብዕቲኣን ሊቃናተ ወናብርቲ (መንበረ ያዕቆብ ዘኢየሩሳሌም መንበረ ጰጥሮስ ዘሮማ መንበረ ዮሓንስ ዘኣንጾኪያ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ ብምምጻእ ብባሕቲ 2 የካቲት ጉዳዩ ብጉባኤ ተመልከትዎ።መቅደንዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ኣቅረበ።ጉባኤ ድማ ብመሪሕነት ቅዱስ ቆርሎስ
• መንፈስ ቅዱስ ሕጹጽ ዘይኮነ ፈጣሪ
• መንፈስ ቅዱስ ኣምላክ ባኦሉ ምካኑን
• መንፈስ ቅዱስ ምስ አግዚኣብሄር ኣብን አግዚኣብሄር ወላድን ማዕረ ሙካኑ ምስጋድን ኣምልኮን ከም ዝግብሮን መጽሓፍ ግና ገንጸሉ ከረድእዎ ጀመሩ፣እንተ ኮነ ክምለሰሎም ስለ ዘይከኣለ ካብ ቤተክርስትያን ብዉግዘት ኣፋነዉዎ ፈለይዎ።ሊቃዉንቲ ወጊዞም ምስ ወዱኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣብን እግዚኣብሄር ወልድን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ምካኖም ብምርግጋጽ (ወንኣምን ብምንፈስ ቅዱስ እግዚእ ምህያዊ) ንዝብል ኣንቀጽ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበረ ናይ 318 ሊቃዉንቲ ዘስፈርዎ ድርሰት ጸሎት ሃይማኖት ወሲኮም ናይ መወዳእታ መልክዑ ብምትሓዝ <<ለዓለም ዓለም>>እሎም ዛዚሞሞ።
3ይ ጉባኤ.>> ካብዚ ቀጺሉ ((ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል ክልተ ባህሪ እዩ ካብ ማርያም ዝተወልደ ዕሩቅ ብእሲ እዩ፣ቃል ኣብ የርዳኖስ ክሳዕ ዝሓድሮ ወዲ ማርያም ናይ ቃል መሐሪ ኮይኑ ተወሊዱ፣ስለዚ ማርያም ወላዲት ስብ እምበር ወላዲት ኣምላክ ኣይትብሃልን ዝብል ናይ ክሕደት ትምህርቱ ሒዚ ናይ ቆስጦንጥሮስያ ሊቀ ጳጳስ ንስጥሮስ ናብ ቤተ ክርስትያን መድረክ መጸ። ሕጂ እዉን ቤተ ክርስትያን ደወላ ክትሃርም ግድን ስለ ዝኮና ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተኣከቡ ሊቃዉቲ ብመሪሕነት ናይ መንበረ ማርቆስ መበል 24 ፓትርያሪክ ዝነበረ ቅዱስ ቀርሎስ ናይ ሃዋርያት ሰለስቱ ምእትን ዓሰርቱ ወስምንቱ ሊቃዉንቲ ናይ 150 ሊቃዉንትን እምነት ብምሓዝ ናይ ተዋህዶ ሞዶሻ ሒዙ መድረክ መጸ።እዚ ዝኮነሉ ብ431 ዓ.ም ኣብ ኤፈሶን ዝተባህለ ከተማ 200 ዝኮኑ ሊቃዉንቲ ምስኡ ሒዙ ጉባኤ ጀመረ።ኣብቲ ሰዓት ንስጥሮስ ትምህርትካን እምነትካን ኣቅርብ ናጻ መድረክ ተዋሂቡካ ኣሎ ተባህለ።ንስጥሮስ ኣብ መድረክ ድሕሪ ምድያብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል ክልተ ባህሪ ኣለዎ ብምባል ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣብ ጉባኤ ፈነዎ፣ኣብቲ ጊዜ ቅዱስ ቀርሎስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ደኣ እምበር ከምቲ ንስካ ትብሎ ዘለካ ኣይኮነን ብምባል መጽሓፍ እና ገንጸለ ከረድኦ ጀመረ።ንስጥሮስ ግና ልቡ ብሰይጣናዊ ትምህርቲ ስለ ዝተመልኣ ክርዳእ ኣይከኣለን ብዉግዘት ድማ ካብ ቤተክርስትያን ተፈልየ።ጉባኤ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕሪ ብተዋሕዶ ከበረ ብምባል ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ ወላዲት ኣምላክ ሙካናን ብሰፊሑ ጺሒፎ ጉባኤ ተዛረመ።
ጉባኤ ኣክላባት(ጉባኤ ኣብዳን) 
እዚ ጉባኤ እዚይ ኣብ ቤተ ክርስያና ከም ጉባኤ ዘይኮነ ዝፍለት ከም ጉባኤ ኣክላባት ተባሂሉ ይፍለጥ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ኣብ ታሕቲ ክንገልጾ ኢና ተከታተሉና።ካቶሊክ ንምምስራት ዝቀንዖ ብ451 ዓ.ም ኣብ ኪልቀዶን ጉባኤ ተገብረ።ናይቲ ጉባኤ ኣዳላዊ ጸዋዕትን ናይቲ ዘመን ዝነበሩ ነገስታት ናይ ሮማ ንግስቲ ዝነበረት ብርክልያ እያ።ፓፓሊዮን ዝተባህለ ናይ ክርስቶስ ሰማያዊ መንግስቱ ብናይ ዓለምና ነገስታት ድልየቶም ንክፍጽምን ኣብቲ ግዜ ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል ሓደ ባህሪ ብምባል ናይ ኑፋቐ ትምህርቲ ኣብ ጉባኤ ኣፍሰሶ። ኣብቲ ሰዓት እቲ 636 ዝኮኑ ሊቃዉቲ ተኣኪቦም ነይሮም።ዝበዝሑ ኣብዚ ጉባኤ ዝተረከቡ ብርዲእትን ብፍልጦን ዝተኣከቡ ኣይነበሩን፣በቶም ሓያላት ናይ እቲ ዘመን ዝነበሩ ነገስታ ካቶሊክ ሃይማኖት ክምስረት ኪኢሉ።
ኣብ ጉባኤ ዝተረከበ ናይ ተዋህዶ ሓርበኞ ናይ ናይ ግብጺ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዲስቁሮስ እዚ ትምህርቲ ናይ ንስጥሮስ ትምህርቲ ኣቦታተይ በዓል ቅዱስ ቄርሎስ ዝወገዝዎ ሕጂ ካበይ መጺኡ ብምባል ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ እዩ ብምባል ወጊዙ ካብ ጉባኤ ወጸ።እቶም ነገስታት ብምሓዝ ኣስርዎን ኣሳቀይዎ ጭሕሙ ብምልጻይ ኣስናኑ ብመርተሎ ሰበርዎ ቅዱስ ዲስቁሮስ እዚ ፍረ ሃይማኖት እዩ ብምባል ናብ እስክንድርያ ለኣኮ ይብለን።ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ። ኦርቶዶክሳዉያን ነዚ ጉባኤ ንነጋስታት ዓለም ድልየቶም ንምፍጻም ዝተገብረ ጉባኤ ስለ ዝኮነ ጉባኤኣብዳን ወይ ጉባኤ ኣክላባት ኢላ ሸይማቶ በዚ ድማ ቤተክርስትያና ብጉባኤ ኣክላባት አና በለት ትጽዉዖ ኣላ።ንናይ ዓለምና ድልየት ንምፍጻም ዝገበሮ ኣከባ ፓፓሊዮን ክሰልጦ ኣይከኣለን ብገንዘብ እዉን ፈቲኑ ኣይከኣለን ምክንያቱ ኦርቶዶክስ ብናይ ዓለምና ነገስታት ስለ ዘይተሓንጸት፣ኣብ ከዉሒ ዝተሰርሐ ገዛ ማይ(ዝናብ) ኣብ ዝመጸሉ ከፍርሶ ኣይከኣልን ኣብ ሑጻ ዝተሰርሐ ገዛ ግና ማይ ኣብ ዝሃርመሉ ሒዝዎ ይከይድ ይፈርስ።ቤተ ክርስትያና ድማ ኣብ ከዉሒ አያ ተሰሪሓ ዘላ ባዕሉ ከዉሒ ዝኮነ እምኒ መኣዝን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደም አያ ተመስሪታ።በዛ ብደሙ ዘጥረያ ቤት ኣምላክናን እምነትና ጸኒዕና ክንጋደል ናይ ኣቦታትና ኣሰር ክንክተልን ምላክ ኣቦታትና ኢየሱስ ክርስቶስ አግዚኣብሄር ይግዘና።ብተወሳኺ ድማ እዘን ዚስዕባ ሠለስተ ኣገላልጻታት መንነት ሃይማኖት (እምነት) ኣጸቢቐን ዘብርሃ እየን።            


ሃይማኖት መሠረት                                               


ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንእምነት፡ “አሚንሰ መሠረት ይእቲ፡ ወካልኣኒሃ ሕንፃ ወንድቅ እሙንቱ፥ እምነት መሠረት እያ፡ ካልኦት ድማ ሕንፃን መንደቕን እዮም።” ይብል “ካልኦት” ኢሉ ብሕንፃን መንደቕን መሲሉ ዝተዛረቦም፡ ከኣ ምግባርን ትሩፋትን እዮም። ስለዚ እምነት መሠረት ምግባርን ትሩፋትን እያ። ነዚ ሕንፃ ምግባርን ትሩፋትን እዚ ቅድሚ ምሥራሕካ፡ ፈጣሪ ከም ዘሎን ብእትሠርሖ ተግባራት ጽድቂ ድማ ኣብ መወዳእታ ዓስቢ ከም ዝህበካን ክትኣምን ኣሎካ። “ወዘእንበለ ተአምኖሰ ኢይትከሀል ያሥምርዎ ለእግዚአብሔር።/ ብዘይ እምነት ግና ንእግዚአብሔር ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ።” (ዕብ.11፥6)

ብተወሳኺ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ኣብ (ማቴ.16፥16) ከውሒ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ እምነትን ምስክርነትን ማለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን፡ መሠረት ኵሉ ከም ዝኾነን፣ ብድኅር’ዚ ድማ ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዚፍተን ኣብ ጊዜ ፈተና ጸኒዕካ ሰማያዊ ዓስቢ ዘውህብ ሥራሕ ምሥራሕ ከም ዚግባእን፡ “ብዘይ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ሓደ እኳ ኺሥርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እግዚአብሔር ብልሓተኛ ሓናፂ ኮይነ ነቲ መሠረት ሠረትኩ፣ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሓንፅ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሓንፅ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሠረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕንፀይቲ፡ ሣዕሪ ወይስ ሓሠር እንተ ሠርሐ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፣ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሓንፀ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድኅን፡ ግና’ኸ ከምቲ ሓዊ ኃሊፉ ዝደኃነ እዩ።” (1ይ ቆሮ.3፥11-15) ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።

ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል