24/10/2017

ጸሎት

           ጸሎት
ጸሎት ማለት ንእግዚኣብሔር ምምስጋን፡ ናይ ኃጥያትና እቅረታ ንእግዚኣብሔር እንልምነሉ ኮይኑ፡ ንሕይወትና ኣድላይን ጠቃምን ኹሉ ንምልማን ሓሳባትና ብመንፈሳዊ መንገዲ ናብ እግዚኣብሔር ዝቀርብ እዩ።
• ጸሎት ማለት ብልመና ምስ እግዚኣብሔር ምዝርራብ ማለት እዩ።
• ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽበና ድልድል ወይ ድማ ተልፎን እዩ።
ጸሎት አብ 4 ከፊልና ንርአዮ
                 ናይ ኣምልኾ ጸሎት፦ ዘፍ.4።26፣ ዘዳ.18።15,18,19፣ ግብ.3።22-23፣ኢሳ.6።1-4፣ ራእ.5።11-14፣
                    ናይ ልመና ጸሎት መዝ.145።15፣ 40.1-2፣ 1ሳሙ.1።10፣ ዘፀ.2።23-25፣ 1ሳሙ.1።15፣ ግብ.10።1-5፣
                    ናይ ምስጋና ጸሎት፦ መዝ.116።12፣ መዝ.116።7-9፣ መዝ.150።1-6፣
                    ናይ ምምላድ ጸሎት፦ መዝ.91።11-12፣ ኢዮ.42።8-9፣ ዘፀ.32።31-32፣ ሉቃ.10።1-2፣ዕ.5።16፣ ዘሁ.11።2፣ ዘዳ.9።25፣


ሀ. ናይ ኣምልኾ ጸሎት፣
እግዚኣብሔር ንሰብ ዝፈጠሮ ዘመስግኖ ስለ ዝሰኣነ ንኸመስግኖ ኢሉ ዘይኮነስ። እንታይ ደኣ ስሙ ንኽቅድስ መንግስቱ ንኽወርስ ኢሉ እዩ ፈጢርዎ፣ ምኽንያቱ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ባህርዩ ብባህርዩ ይመስገን ነይሩ እዩ፣
“ዎ ኣቦይ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ፣” ዮሓ።17።5፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ንእግዚኣብሔር ብጸሎትን ብስግደትን የምልኽዎ፣“በታ ንጉሥ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት ኣነ ንእግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣኽዎ፣ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ፣ ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ፣ ነፍስ ወከፎም ሽዱሽተ ኽንፊ ኣለዎም፣ ነፍስ ወከፍ ከኣ ብኽልተ ኽንፊ ገጹ ይኸድን ብኽልተ ኽንፊ ድማ ኣእጋሩ ይኽድን ብኽልተ ኽንፊውን ይነፍር፣ ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ ኵላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፣” እናበሉ ይቀባበሉ ነበሩ፣ኢሳ።6።1-4፣
እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሔር ብቕዱሳን መላእኽቲ እንዳ ተመስገነ ንነቢያት ዝተገልጸሎም እቲ ቅኑዕ ኣምልኾ ንኽምህሮም እዩ፣ ኣብ ሐድሽ ኪዳን ውን ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ብቕዱሳን መላእኽቲ ክምስገንን ክምለኽን(ናይ ኣምልኾ ምስጋና ክቕበልን) ከሎ ርእዩን ሰሚዑን እዩ፣“ሽዑ ድማ ረኣኹ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ድምፂ ብዙኃት መላእኽቲ ሰማዕኩ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ “እቲ ዝተሓርደ ገንሸል ሥልጣን። ሃብቲ። ጥበብ። ኃይሊ። ክብሪ። ግርማ። ውዳሴ። ኪቕበል ብቑዕ እዩ በሉ፣ እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ ውዳሴን ክብርን ግርማን ሥልጣንን ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ኪብሉ ከለዉ ሰማዕኩ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ኣሜን በሉ እቶም ኣሕሉቕ ውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ፣ራእ።5።11-14፣
ነዚ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ውዳሴን ኣምልኾን ዝግብኦ ፈጣሪ ብጸሎትን ብስግደትን ዘይተምልኽን ዘይትእዘዝን ነፍሲ ግና ክትጠፍእ እያ፣ “ሙሴ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብይ ካብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ኵሉ ስምዑ፣ ኪኽውን ከኣ እዩ ነቲ ነቢይ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ በለ፣ ግብ.3።22-23፣ ዘዳ.18።15,18,19፣
ለ. ናይ ልመና ጸሎት፣
ኵሎም ፍጡራን ዘድልዮም ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ህያባትን ጸጋታትን ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ክሐቱ ከለዉ ናይ ልመና ጸሎት ይበሃል፣ “ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ ንስኻውን በብጊዚኡ ምግቦም ትህቦም ኢድካ ትኸፍት እሞ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ፣” መዝ።145።15፣ ኣብዚ ናይ ልመና ጸሎት እግዚኣብሔር ዝድንጕን ዘይምልስን ዚመስሎም ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ቅዱሳን ግን ኣብ እምነት ይጸንዑ ብተስፋ ይጽበዩ እምበር ኣብቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ጊዜ ዘይተመለሰ ኢሎም ኣይጠራጠሩን እዮም፣
 ስለዚ ኸኣ እዩ ነቢይ ዳዊት ተዓጊሰ ተጸቤኽዎ ክብል ዝምህረና፣” ንእግዚኣብሔር ተዓጊሰ ተጸቤኽዎ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዐ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ ኣብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣጽንዖ፣” መዝ።40።1-2፣ ብቓልን ብልሳንን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ኣዴና ሃና ብልቢ ምስ እንጽሊ ቃላት ናይ ልብና ከንብብ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ ፈጣሪ እዩ፣
ንሳ ድማ ብነፍሳ ተማሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሔር ትልምን ነበረት፣”1ሳሙ።1።10፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናበኸየት ክብል ከሎ ናይ ልቢ ብኽያት ደኣ እምበር ናይ ቃል ብኽያት ኣይነበረን፣ እዚ ናይ ልቢ ብኽያት ከኣ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ዝኽእል ሓቀኛ ናይ ልመና ጸሎት እዩ፣ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ንምውጻእ ዝረድኦም ጸሎት ከኣ እዚ እዩ፣ “ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ ጨርሑ ድማ፣ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ፣ ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዐ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያዕቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ፣ ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ ኣምላኽ ከኣ ሃለዋቶም ፈለጠ፣” ዘፀ።2።23-25፣
ኣውያት ደቂ እስራኤል ኣብ ኣምላኽ ክበጽሕ ዝኸኣለ ኣውያት ልቢ ስለ ዝነበረ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዮም ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን
ጸሎተ ከናፍር ጸሎተ ልብ ጸሎተ ነፍሲ ኢሎም ዚኸልፍዎ ዘለዉ፣ ፊልክስዩስ ካልኣይ መጽሓፍ መነኮሳት
ነቢይት ሃና ነፍሳ እምበር ንብዓት ሥጋ ናብ ምድሪ ኣየንጠበጠትን፣ “ንሳ ግና ጐይታይ ኣይፋለይን ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣፍሰስኩ፣” 1ሳሙ።1።15፣ እግዚኣብሔር ናብ ልቢ እቶም ብቕንዕና ዝልምንዎ እምበር ናብ ዕብየቶምን ዓሌቶምን መዓርጎምን ኣይጥምትን እዩ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብዙሓት ደቂ ኣብርሃም ናብ ወጻኢ እናተደርበዩ ጸሎትን ምጽዋትን ናይ ሐደ ናይ ሚእቲ ሓለቓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ዝኸኣለ፣
“ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም፣ ማቴ.8።11-12፣ “ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ኣብቲ ኢጣልያዊ ዚበሃል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ ጻድቕ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት ኵሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ፣ ብታስዓይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ ዎ ቆርኔሌዎ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ፣ ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ እንታይ እዩ ጐይታይ በለ፣ ንሱ ድማ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደይቡ እዩ፣ ግብ።10።1-5፣
ሐ. ናይ ምስጋና፣
ደቂ ሰባት ካብ ጸገሞምን ጻዕሮምን ጭንቆምን ዝተላዕለ ብሓቅን ብጽድቅን ምስ ለመንዎ እግዚኣብሔር ልመናኦም ሰሚዑ ጸገሞም ምስ ኣርሃወሎም ዘቅርብዎ ጸሎት ናይ ምስጋና ጸሎት ይበሃል፣ ከምኡ ውን ስለ ለውሃቱ ምሕረቱ ኣምላኽነቱ መጋቢነቱ ዝቐርብ ጸሎት ናይ ምስጋና ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ ንእግዚኣብሔር እንታይ ውሬታ ክመልሰሉ እየ፣” መዝ።116።12፣ ነፍሰየ እግዚኣብሔር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት ነዒንተይ ካብ ንብዓት ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ፣” መዝ።116።7-9፣
መ. ናይ ምምላድ ጸሎት፣
ጸሎት ምምላድ ዚበሃል ቅዱሳን መላእኽትን ነቢያትን ሓዋርያትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብምሕረቱን ብለውሃቱን እንዳጸለዩን እንዳሰገዱን ንኣምላኽ ስለ ምሕረት ሓጥኣን ክልምንዎ ከለዉ ናይ ምምላድ ጸሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ወዲ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ብሓጢኣት ምኽንያት ምስ ተፈላለየ ክሕልዋን ከመሓድራን ዝተዋህበቶ ገነት ከኣ ንእግሩ ከይረግጻ ካብኣ ኣውጽኦ መልኣኽ ድማ ንኽሕልዋ ኣቖመላ፣” ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓያን ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ምስናይ እተንበልብል ሃልሃልታ ሴፍ ኪሩቤል ኣቐመጣ፣”ዘፍ።3።23-24፣
ደቂ ሰብ ብንስሓን ብጸሎትን ንኣምላኾም ምስ ኣስመርዎ ኸኣ ንኸገልግልዎ ንመላእኽቱ ይእዝዘሎም፣ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍሲ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጸሩኻ እዮም፣” መዝ።91።11-12፣ በዚ ምኽንያት ነቶም ኣማለድቲ ጸጋ ዝሃቦምን ስርዓተ ምምላድ ዝሰርዐን ባዕሉ እግዚኣብሔር እምበር ሰባት ኣይኮኑን፣ እዚ ኸኣ ኣብቶም ኣዕሩኽ ኢዮብ ዝገበሮ ምስ እንዝክር ብግቡእ ክርድኣና ይኽእል፣ “ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ ኢዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፣ ንእኡ ክቕበሎ እየ፣…..ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞም ገበሩ እግዚኣብሔር ከኣ ንኢዮብ ተቐበሎ፣” ኢዮ።42።8-9፣ ነቢይ ሙሴ ውን ነዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለ ዝፈለጦ እምበር ምስ ኣምላኹ ክታረኽ ኢሉ ኣይኮነን ከምዚ ዚስዕብ ክብል ብትሪ ዝለመነ፣”...ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተዘይኮነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ፣” ዘፀ።32።32፣

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ጐይታና ባዕሉ እዩ ሰሪዕዎ፣ እቲ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ጐይታ
“ለምንዎ“ብምባል ንደቀ መዛሙርቱ እዚ ጸሎት ምምላድ-+ ስለ ዅሉ(ሕዝቡ)ክጽልዩ መሃሮምን ኣዘዞምን፣ “ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም፣ በሎም ከኣ እኽሊ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኸልእኽ ለምንዎ፣” ሉቃ።10።1-2፣ ያዕቆብ ሓዋርያ ውን ናይ በዓል ነቢይ ኤልያስ ሓይሊ ኣማላድነት ጸሎት ብምጥቃስ ብዘየማትእ ሃይለ ቃል ገሊጽዎ ኣሎ፣
“ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ፣” ያዕ.5።16፣ ዘሁ።11።2። ዘዳ።9።25፣


ዓይነት ጸሎት
ናይ ግሊ ጸሎት፦ ማቴ.6።6፣ ግብ.10።9፣ ዘዳ.9።25-29፣ 1ሳሙ.15።10-11፣ 1ነገ.17።20-22፣ ዳን.9።20-23፣ ግብ.10።30-32፣
                    ናይ ማሕበር(ሕብረት) ጸሎት፦ ማቴ.18።19-20፣ ሉቃ.1።10፣ ግብ.1።14፣ 4።24፣ 12።12፣ 21።5፣
                    ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት፦ መዝ.122።1-2፣ 92።14-15፣ ማቴ.13።8፣ መዝ.84።1-2፣ 84።4,10፣ 2ዜና.7።12-15፣ ግብ.5።19-20፣ መክ.10።4፣ ሉቃ.2።37፣


ዓይነት ጸሎት፣
ሀ. ናይ ግሊ ጸሎት።-“ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ ናብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዕጾ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግሁድ ክክሕሰካ እዩ፣” ማቴ።6።6፣“ንጽባሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ከለዉ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ፣” ግብ.10።9፣
ሕቡእን ምስጢራውን ጸሎት ነቢይ ሙሴ  ዘዳ.9።25-29፣
 ነቢይ ሳሙኤል 1ሳሙ።15።10-11፣
 ነቢይ ኤልያስ።  1ነገ።17።20-22፣
 ነቢይ ዳንኤል።- ዳን።9።20-23፣
ጸሎት ቆርኔሌዎስ።-”ግብ።10።30-32፣
ናይ ሓባር(ሕብረት) ጸሎት።-
“ክልተ ወይ ሰለስተ ካባኻትኩም ኣብ ዝልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሰማምዑ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪወሃቦም እዩ ኢለ ከም ብሓድሽ እብለኩም ኣሎኹ፣” ማቴ።18።19-20፣
“በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኵሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ኮይኑ ይጽሊ ነበረ፣” ሉቃ።1።10፣ “እዚኣቶም ኵሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ፣ ግብ.1።14፣ 4።24፣ 12።12፣ “…ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኬንና ኸኣ ተንበርኪኽና ጸሌና፣” ግብ።21።5፣ 
ሐ.ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት።-
“ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ፣ ዎ ኢየሩሳሌም ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ፣” መዝ።122።1-2፣ “እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ፦ እግዚኣብሔር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኬውርዩስ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፣” መዝ.92።14-15፣ “ዎ (እግዚኣብሔር)ጐይታ ሰራዊት ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዘብላ እየን፣ ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሔር ትናፍቕን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ መዝ።84።1-2፣ “ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹዓን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውዱስኻ፣” መዝ.84።4፣ “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ እያ እሞ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሕሸኒ፣” መዝ።84።10፣ “እግዚኣብሔር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ በሎውን ጸሎትካ ሰሚዔ ነዛ ቦታ እዚኣ ውን ቤት መስዋዕቲ ኽትከውን ንኣይ ሓርየያ ኣሎኹ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ ውን ጽን ኪብላ እየን፣” 2ዜና 7።12-15፣
“መልኣኽ እግዚኣብሔር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ ኪዱ ኣብ ቤት መቅድስ ደው ኢልኩም እዚ ኹሉ ቃል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ በሎም ግብ፣5።19-20፣ “መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብይ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ ስፍራኻ(ሃይማኖትካ።ቤተክርስቲያንካ) ኣይትሕደግ)፣ መክ።10።4፣ “….ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ብጸምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት፣” ሉቃ።2።37፣


አቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማያት ትነብር አቦና) ማቴ.6።9-13።
ኣብዛ ሓጻር ጸሎት ዝርከቡሓሙሽተ ስነ ምግባራትኣለዉ ንሳቶም ከኣ።- ሃይማኖት
(እምነት)። ተስፋ። ፍቕሪ። ትሕትና።
ጸሎት እዮም፣
1,ሃይማኖት(እምነት)።- ብዓይኒ ሥጋ ከይረኣናዮ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና
ምጽላይና እዩ፣
2,ተስፋ።- መንግሥትኻ ትምጻእ ኢልና ምጽላይና፣
3,ፍቕሪ።- ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልና ምጽላይና ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ፣
4,ትሕትና።- በደልና ሕደገልና ምባል እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ሕደገልና እዩ
ዝብል እምበር ኣብ አቡነ ዘበሰማያት በደለይ ሕደገለይ ኢልካ ብግልኻ ኣይጽለን ኣዩ፣
5,ጸሎት።- ናብ ፈተና ኣይተእትወና ኢልና ምጽላይና፣
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ሓጻር እኳ እንተዀነት ኵሉ እቲ ናይ ጸሎት መሰረታዊ ነገር ጠርኒፋ ትርከብ። እዛ ጸሎት እዚኣ ሽዱሽተ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እተን ሰለስተ ሓሳባት ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሔር ይገልጻ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ከኣ ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ይገልጻ፣
1, ብዛዕባ ኽብሪ እግዚኣብሔር ስሙ ምቕዳስ። ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ምምናይ። ፍቓዱ
ምልማን እየን፣
2, ብዛዕባ ጥቅሚ ሰባት ከኣ እንጌራ ዕለት ምርካብ። ይቅሬታ ምርካብ። ካብ ክፉእ ምድሓን
ትዝርዝር እታ ጾሎት ኣብዚኣ ብውዳሴ ኣምላኽ ትድምደም፣
ግቡእ ጸሎት ወይ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን።፣
1, ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣሚንና ክንጽሊ ይግባእ፣
ማቴ.28።19-20፣ 1ዮሓ.5።7-8፣ 2ቆሮ.13።13፣
2, ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ኣሚንና። ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
ክንጽሊ ይግብኣና። ዮሓ.14።6-13፣
3, ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና፣ 1ዮሓ.5።14-15፣
4, እንጽልዮ ጸሎት ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ይግባእ። ይሁ.1።20፣
5, ብዘይንስሓ ጸሎት ቅቡል ስለዘይኮነ ሓጢኣት ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና ከልካሊ ናይ ጽልኢ መንደቕ ስለ ዝኾነ ንመንደቕ ኃጢኣት ብንስሓ ኣፍሪስና ክንጽሊ ይግብኣና፣
ኢስ.59።1-3፣ ኤፌ.2።14-16፣ መዝ.66።18-20፣ ማቴ.5።23-24፣
6, ንዝበደሉና ኵሎም ከም ዮሴፍ ከም ነብዪ ሙሴ ከም ቅዱስ እስጢፋኖስ ምሉእ ምሕረት፣ ይቅሬታ። ምሉእ ለውሃትን ድንጋጸን ክንገብረሎም ይግብኣና፣ ዘፍ.50።18-21፣ ዘጸ.32።32፣ ዘጸ.9።1-29፣ ግብ.7።6፣ ሉቃ.15።20- ይሁ.1።20-23፣
7, ኩሉ ግዜ ጸሎት ብዘይ ትህኪትን ምስልካይን ብዘይምቁራጽን ክኸዉን ይግባእ፣
ሉቃ.11።5-13፣ ምሳ.6።6-11፣ 10።26፣ 13።4፣ 15።19፣ 19።24፣ 22።13፣ 24።30-34፣ 26።13-16፣
ኣብ ጸሎት ኣብነትና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን። እቶም ኣሰር ኣሰሩ ዝሰዓቡ ቅዱሳንን እዮም፣ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቲ ክመርጽ ከሎ ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ጸሎት ሓደረ፣ ሉቃ.6።12-13፣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ምስ ተጠምቀ ጸለየ። ሉቃ.3።21-22፣ ቀቅድሚ ምትሓዙ ኣብ ደብረ ዘይት ይጽሊ ነበረ፣ እናጸለየ ከኣ ተታሕዘ፣ ሉቃ.22።39-46፣ ኣብ መንጎ ኣገልግሎቱ ናብ በሪኽ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ፣ ሉቃ.5።15-16፣ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንህዝቢ ምስ ኣፋነወ ማቴ14።22-23፣ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ ኣንጊሁ ወጺኡ ስርሑ ብጸሎት ንምጅማር ኣብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ይጽሊ ነበረ፣ ማር.1።35፣ ጸሎቱ ምስ ወድአ ኸኣ ኣገልግሎቱ ብስብከትን ብገቢረ ተኣምራትን ጀመረ፣ ማር.37።39፣
8, ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ዝመሃረና ህዝቢ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣብ ኵሉ ቦታ ብኵሉ ኩነታት ኣብ ራህዋ ኮነ ኣብ ጸበባ ኣብ ጽጋብ ኮነ ኣብ ጥሜት ኣብ ሽመት ኮነ ኣብ ስዕረት ክጽልዩ ይግባእ። ፊል.4።6-7፣ ኤፌ.5።20፣ 2ቆሮ.11።24-29፣ ማቴ.6።25-34፣1ጴጥ.5።7፣
9, ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኵሉ ሰብ ማለት ምእንቲ ኣማኒ ምእንቲ ከሓዲ ምእንቲ ጻድቕ ምእንቲ ሓጥእ ምእንቲ ንጹሕ ምእንቲ ርኹስ ምእንቲ ጎይታ ምእንቲ ጊልያ ምእንቲ ሕሙማት ምእንቲ ጥዑያት ምእንቲ ድኻታት ምእንቲ ሃብታማት ምእንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ምእንቲ ኵሉ ክጽሊ ይግባእ፣ ቅድሚ ኵሉ ግን ምእንቲ ሕይወቱን ድሕነቱን ክጽሊ ይግባእ፣ ማቴ.16።24።26፣ ይሁ.1።20-25፣ 1ጢሞ.2።1-4፣ መዝ.72።1-4፣ ኢሳ.62።6-7፣ ኤር.29።7፣


10, ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ወይ ግዜ ማለት ኵሉ ግዜ ክንጽሊ ይግባእ፣ 1ተሰ.5።17፣ ሮሜ12።12፣ 1ተሰ1.3 2።13፣ ሮሜ1።9-12፣ ኤፌ.6።18፣ ቈላ.1።3-4፣ 2ጢሞ.1።3-5፣ 

                     ኣብ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያ ዝጸለዩ ጸሎታት።-
 1 በእንተ ድዉያን (ስለ ሕሙማት)፣ ያዕ.5።13-16፣ 2ቆሮ.11።29፣
2, በእንተ እለ ይነግዱ (ስለ ነጋዶ (ገያሾ)፣ ምሳ.3።6፣ ግብ.27።9-26፣
3, በእንተ ዝናማት (ምእንቲ ዝናም)፣ 1ነገ.17።1-18፣ 1።45፣ ያዕ.5።17-20፣
4, በእንተ ፍሬ ምድር (ምእንቲ ፍረ ምድሪ)፣ ዕብ.6።7-8፣ መዝ.107።33-34፣
5, በእንተ ማያተ ኣፍላግ (ምእንቲ ዓይኒ ማያት)፣ መዝ.107።33-34፣ ዘጸ.7።14፣
6, በእንተ ንጉሥ (ምእንቲ ንጉሥ)፣ መዝ.72።1-4፣ 1ጠሜ.2።1-4፣ ኤር.29።7፣
7, በእንተ እለኖሙ (ምእንቲ ዝደቀሱ (ዝሞቱ)) ዘዳ.33።6፣ 1ቆሮ.5።1-6፣ ሉቃ.16።27-28፣
8, በእንተ ንኡሰ ክርስቲያን (ምእንቲ ሓደስቲ ኣመንቲ)፣ ሉቃ.12።32፣ ማቴ.18።6፣
9, በእንተ ሰላም (ምእንቲ ሰላም)፣ ኤር.29።7፣ ኢሳ.48።18፣ ዮሓ.14።27፣
10, በእንተ እለ ያበውኡ (ምእንቲ መባእ ዘምጽኡ)፣ መዝ112።5-10፣ ማር.12።41-44፣ ሉቃ.21።1-4፣ ዮሓ.8።20፣ 2ቆሮ.8።12፣ 2ቆሮ.9።6-15፣
11, ኣብ ጸሎተ ኪዳን። ጸሎተ ቡራኬ። ጸሎተ ንስሓ። ወዕቀቦሙ። በእንተ ቅድሳት። ፍትሓት ዘወልድ ዝሎ ጸሎት ከኣ ስለ ኩሉ ህዝቢ ዝጽለ ጸሎት እዩ፣


ምጽላይ ኣድላ ድዩ፧
መልሲ፡ እወ ኣድላይን ኣገዳስን እዩ። ምስ እግዝኣብሔር ከይተዘራረብና ህያውን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ብዘይ ኦኽስጅን ክነብር ዘይንኽእል ከምኡ ድማ ብዘይ ጸሎት ክነብር ኣይንኽእልን ኢና። እግዝኣብሔር ክንልምኖ ድላዩ እዩ። “ õድልየትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። ፊሊ4፡6“ ስለዚ እንድለዮ ዘበለ ረዲአት ምስ እንልምኖ ኢና እንረኽቦ። ኣብ ልዕሊ ድያብሎስ ዕወት እንጓናጸፍ ምስ እንጽሊ፡ እንጸውም፡ እንሰግድ እዩ።õንሱ ኽኣ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓይነት ብጸሎትን ጸምን እንተዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ በሎም ማር9፡29 ስለዚ ጸሎት ኣድላዪ እዩ።
ጸሎት ኅብረት፡ ምስጋና፡ ስግደት፡ ንስሓ፡ ኑዛዜ፡ ልመና፡ ምልጃ የጠቃልል። ሰባት ብዝተፈላለየ ኣቋውማን፡ ግዜን ቦታን ክጽልዩ ይኽእሉ እዮም። ቁም ነገሩ ግና ልቢ ብምስባር ምጽላይ እዩ፡ የው4፡20-24። ብዙሓት ኣቦታት ከም ሙሴ, ልበ ኣምላኽ ዳዊት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ክልኦት ብዙሓት ጸሎቶም ገዲፎምልና ኣለዉ። መዝሙር ዳዊት ሓደ ካብ ናይ ጸሎት መጽሓፍቲ እዩ። እምላኽናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እውን ኣንተኾነ ኣብ መውዕለ ትስብዕቱን ስብከቱን ክትጽልዩ ከለኹም ከምዚ እልኩም ጸልዩ ብምባል ናይ ዕለታዊ ጸሎትና መጀመርን መዛዘምን ገዲፍልና ኣሎ፡ ማቴ6፡5-15፡ ሉቃ11፡1-13፡ 18፡ 1-14፡ የው17፡1-መፈጸምታ። እግዚኣብሔር ናይ ደቁ ጸለት ብደስታ ዝሰምዕ ስለዝኾነ ጸሎት ብዙሕ ሓይሊ ኣለዎ፡ 1ጵጥ3፡12፡ ያዕ5፡17። ብእንጻሩ ዘምጽላይ ኃጥያት እዩ፡ 1ሳሙ12፡23።
                ጸሎትና ክሰምረልና ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ
1. ብእምነት ዕብ11፡6፡ ማት21፡22፡ ማር9፡23
 
2. ከምእግዚኣብሔር ፍቃድ፡ 1የው5፡14-15።
3. ብመንፈስ ቅዱስ፡ ይሁ1፡20፡ ሮሜ8፡26
4. ንስሓ ብምእታው መዝ66፡18, መዝ32፡3-5፡ ኢሰ59፡1-2፡ ማቴ5፡23-24
5. ይቅረታ ብሃሊ ብሙዃን፡ ማቴ6፡14-15
6. ብዘይ ምስልቻው ብትግሃት፡ ሉቃ11፡5-13
 
7. ኣብዚኾነ ግዜን ኩነታትን ቦታን ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራጽ 1ተሰ5፡17
ኮይኑ ግና ብሕብረት ኣብ ቤት መቅደስ ምስ ንጽሊ ልዕሊ ኹሉ ኣብ እግዚኣብሔር ተቀባልነት ኣለዎ። እምላኽናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ብስማይ ኣብዝተኣከብኩምሉ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣለኹ ብምባል ቃል ኣትዩልና እዩ። ብዘይካ እዚ ኣብ 2ዜና መዋእል 7፡12-16 ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ብሕብረት ዝተጸለየ ጸሎት ከምዝሰምዕ ነጊሩና ኣሎ።
ሓደ ክርስትያን ሸውዓተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ናይ ዝጽልዮ ምስጢራት
ልበ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ ምዝሙሩ “ፍርድኻ ቅኑዕ ስለዝኾነ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ አመስግነካ ኣለኹ መዝ119፡164 ከምዝበሎ ቤተክርስትያና ኩሉ ክርስትያን ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ ክጽሊ ትእዝዝ። እዚ ማሌት ግና እቲ ከየቛረጽኩም ጸልዩ ዝብል ትእዛዛ ሸለል ኢላቶ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ ኣብስራሕ ይኹን ዕረፊት፡ ምዝንጋዕ “እየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ንሓጥእ ባርያኻ
ቅ በለለይ እንዳብልና ከየቋረጽና ክንጽሊ ግዴታና እዩ። ብወግዓዊ ስፍሕ ብዝበለ ኩሉ ሰብ ክትግብሮም ዘለዎ ግና ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያና ምስ ሚስጥርያቱ ኣዳልያትልና ኣላ።
ብመዓልቲ ሸውዓተ ግዜ እንጽልዮም ሰዓታት ዘለዎም ምስጢራትን እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ንግሆ ሰዓት 6፡00፡ ሓደ ክርስትያን በዚ ሰዓት ንእግዚኣብሔር ከመስግኖ ዝተኣዘዘሉ ምስጢራት
1. እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናይለይቲ ሰዓታትን ጸልማትን ኣሕሊፉ ናብ ብርሃን ስለ ዘብቃዓና ክነመስግኖ ይግብኣና።
2. ኣቦና ኣዳም በዚ ሰዓት ኣይትብላዕ ካብ ዝተባህሎ ፍረ በሊዑ ካብ ገነት ዝተባረረሉ ዕለት ስለዝኾነ ምጽላይ ይግብኣና
3. በዚ ሰዓት ኣምላኽናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጵላጦስ ቖይሙ ዝተወቀሰሉ ሰዓት ስለ ዝኾነ። õወፀቢሐ ተማሩ ሊቃነ ካህናት ወኣሲሮሙ ወሰድዎ፡ ወመጠዉዎ ለጲላጦስö ከምዝበሎ ማቴ27፡7። ስለዚ ዝኾነ ክርስትያን ነዚኣቶም ኩሎምን ካልእ ተመሳሰልቲ ነገራት እናሓሰበ በዚ ሰዓት ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክንጽሊ ይግባእ።
ሰዓት9፡00 ንግሆ፡ በዚ ሰዓት ሓደ ክርስትያን ክጽሊ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት፡
1. በዚ ሰዓት ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ካብ ቅዱስ ጌብሪኤል ብሥራት ዝተቀበለትሉ ሰዓት እዩ።
2. ኣምላኽናን መድሃኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቡ ዝተገርፈሉ ሰዓት እዩ።
3. በዚ ሰዓት ሃወርያ መንፈስቅዱስ ዝተቀበልሉ ሰዓት እዩ። ስለዚ ሓድ ክርስትያን ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ምስጢራትን ካልእ ንዕኦም ዝኣመሰሉ እንዳሓሰበ ክጽሊ ይግብኦ።
ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ፡ ሓደ ክርስትያን በዚ ሰዓት ንኽጽሊ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት፡
1. ጎይታናን ኣምላኽናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለሉ ሰዓት፡ እዩ።
2. ክዳኑ ኩሉ ዝተቀንጠጠሉ ሰዓት ስለዝኾነ
3. ሳዶር፡ ኣላዶር፡ ዳናት፡ ኣዴራ፡ ሮዳስ ዝተባህሉ ሓሙሽተ መስማር ዝተሸንከሮሉ ሰዓት እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ነዚ ነገራት እና ሓሰበ በዚ ሰዓት ክጽሊ ይግባኦ።
ሰዓት 3፡00 ድ.ቀትሪ፡ ሓደ ክርስትያን በዚ ሰዓት ክጽሊ ዝተ ኣዘዘሉ ምኽናይት፡
1. ኣይሁድውያን በዚ ሰዓት ንኣምላኸናን ጎይታናን እየሱስ ክርስቶስ መጺጽ ሓሞት ዘስተይዎ ሰዓት እዩ።
2. ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ብገዛእ ሰልጣኑ ዝተተፈላለየትሉ ሰዓት እዩ።
3. ሸውዓተ ቃላት መስቀል ስለ ድሕነትና ዝተናገረላ ሰዓት እውን በዚ ሰዓት እዩ። ሰለዚ ሓደ ክርስይትያን ነዞም ስለድሕነትና ኣምላኽናን እየሱስ ክርስቶስ ዝፈጾሞ ናይ ጽድቂ ተክባራት ኣና ዘከርና ነጽሊ።
ምሸት ሰዓት5፡00 (ኣጋ ምሸት)፡ በዚ ሰዓት ኩልይ ክርስትያን ክጽሊ ዝተኣዘዘሉ ምኽንያት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ከርሲ መቃብር ዘወረደሉ ሰዓት እዩ።
2. በዚ ሰዓት መዓልቲ ተፈጺሙ ናብ ናይ ለይቲ ሰዓት ዝሰጋገረሉ ሰዓት ሰለዘብቃዓና፡ ሰላም ዘለዎ ለይቲ ክገብረልናን በዚ ሰዓት ንእግዚእብሔር ክንልምን ይግብኣና እዩ።
3. በዚ ሰዓት ኩሎም መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሔር ብምቛም ጸብጻብ ዝህብሉን ዘመስግኑን ሰዓት እዩ።(ዜና ኣብርሃም)
ምሸት ሰዓት 9፡00
በዚ ሰዓት ሓደ ክርስትያን ክጽሊ ዝተኣዘዘሉ ምስጥር፡
1. በዚ ሰዓት ጎይታናን ኣምላኽናን እየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ጌተሰማኒ ዝጸለየሉ ሰዓት ኮይኑ ንኽንጽሊ ኣራእያ ዝኾነሉ ሰዓት እዩ።
2. ጎይታናን እየሱስ ክርስቶስ ብምንቀኝነት ኣይሁድን ብምትሕብባር ይሁዳን ዝተታሓዘሉ ሰዓት እዩ።
3. በዚ ሰዓት ሓደ ክርስትያን ቅድሚ ናብ ዓራት ምኻዱ ብሰላም ዝምሰዮን ዘውዓሎን ኣምላኹ ኣመስጊኑ ክድቅስ ዘለዎ ሰዓት እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ነዞም ነገራት እና ሓሰበን ኣስተንተነን ክጽሊ ይግባእ።
ሻውዓይ ናይ ጸሎት ግዜ ፍርቂ ለይቲ 12፡00 እዩ።
በዚ ሰዓት ነዞም ዝስዕቡ ምስጢራት እና ሓሰበ ሓደ ክርስትያን ክጽሊ ይግብኦ።
1. በዚ ሰዓት ጎይታን እየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ እዩ።
2. ብዚ ሰዓት ጎይታና እየሱስ ክርስቶስን ንሞት ሲዒሩ ዝተንሰእሉ እዩ።
3. በዚ ሰዓት ልበ ኣምላኽ ዳዊት ኣብ መዝሙር119፡62 ፈርቂ ለይቲ ተንሲአ የመስግናካ ኣለኹ ብምባል ንኣምላኹ ዘመስገነሉ ሰዓት እዩ። ሰለዘሓደ ክርስትያን ነዚ ነገራት እናሓሰበ ክጽሊ ይግብኦ።

ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል