ህልውና እግዚኣብሔር,-እግዚኣብሔር ዘይምርመር ረቂቕ ኣብዚ ተረኺቡ ዘይበሃል ቀዳማዊ በዚ ጊዜ ይሓልፍ ዘይበሃል ዳሕራዊ ነዛ ዓለም
ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዝፈጠረ ዳግማይ ውን ንዓለም ካብ ምንባር ናብ ዘይምንባር ኣሕሊፉዋ ዝገዝእ ጎይታ እዩ።
ሃልዎተ እግዚኣብሔር
ሃልዎተ
ሃለወ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ኸኣ ምንባር /ምህላው/ማለት እዩ ። ስለዚ ሃልዎተ እግዚኣብሔር ማለት ናይ
እግዚኣብሔር ምህላው /ምንባር/ ንርድኣሉ ትምህርቲ እዩ። ሰብ ብተፈጥሮ ብዝተዋህቦ ኣእምሮ ኣድቂቑ ናይ ምፍላጥን ናይ ምእማንን
ድሌት ዋላ እንተሃለዎ ናይ ሰብ ፍጥረት ብጣዕሚ ውሱን ብምዃኑ እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ንገዛእ ርእሱ እንተዘይገልጽ ኔሩ
ተማራሚሩ ክፈልጦ ኣይምኸኣለን ኔሩ። ህልውና እግዚኣብሔር ንፈልጠሉ ነገራት ወይ መረዳእታ በዞም ዝስዕቡ ዕዮም።
1. ናይ ፍጥረታቱ ስነ-ስርዓት ኣሰራርሓ
2. ናይ ሕልና ምስክርነት
3. ናይ ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ ድሌት
4. ቃል እግዚኣብሔር ናይ ታሪኽ ምስክርነት
1. ናይ ፍጥረታት ስነ-ስርዓት ኣሰራርሓ
ክረምትን ሓጋይን፥ መዓልቲን ለይትን፥ ብርሃንን ጽልማትን፥ ናይ ሙቐትን (ዋዕን) ቁርን፥ ዝናብ ደበና፥ ልምላሜን
ድርቀትን ዘርኢ ተዘሪኡ ስጋብ ዝሕፈስ ኩሎም ጊዝያቶም ሓልዮም ዝጓዓዙ ምዃኖም ዘርእየና ሓደ ላዕላዋይ ሓላውን ተቖጻጻርን ምህላው
እዩ። ከምኡውን ናይ ወዲሰብ ኣፈጣጥራ ኣወላልድኡ ኣተዓባብያኡ ናይ ሰብነቱ ክፍልታት ስንስርዓት፥ ማለት ብእግሩ ምኻድ፥ ብኢዱ ምድህሳስን
ምሓዝን ምስርሑን፥ ብዓይኑ ምርኣዩ፥ ብእዝኑ ምስምዑ፥ ብልሳኑ ምዝራቡን ምጥዓሙ፥ ብኣፉ ምብልዑ ምስታዩ፥ ብስኑን ኩሩምቱን ምሕያኹ፥
ብኣፍንጭኡ ምሽታቱን፥ እዞም ኩሎም ምፍጣሩ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ኣፈጣጥራ ስነስርዓት የርእየና። ብዙሕ ሕብረ ቀለም ዘለዎም ፍጥረታት
ረቀቕትን ግዙፋትን ፍጥረታት ማራኺ መልክዕ ዘለዎም ዓይኒ ሕልና ዝምስጡ ምልኩዓት ፍጥረታት ኩሎም ፈጣሪ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ምህላዉ
የረድኣና። "ሰማያት ክብሪ ኣምላክ የዘንትዉ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳው የውሪ።"መዝ ዳዊት 19፡1 ብምባል ኽብሪ
እግዚኣብሔር ብኣድናቖት ይገልጽ፡ ኸምኡ ኸኣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "እቲ ካብ ፍጥረታት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይረአ
ባሕርይ እዚ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ሓይሉን መለኮቱን (ኣምላኽነቱ) እሱ ብዝፈጠሮም ነገራት ግልጺ ኾይኑ ኣጸቢቑ ይረአ፡ ሮሜ 1፡20
ብምባል ፍጥረታቱ ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ መረዳእታ ምዃኑ ይገልጽ። እዮብ 12፡7-10 ግ.ሓዋርያት 14፡1-7
2. ናይ ሕልና ምስክርነት
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንፈሳዊ ሕጊ (ሕልና) ኣለዎ እዚ ሕልና ከኣ ክፉእን ጽቡቕ ተግባራት ናይ
ምፍላይ ክእለት ኣለዎ። ስለዚ ሰብ ካብ ሕልንኡ ብምብጋስ ጽቡቕ ይሰርሕ ካብ ክፉእ ተግባራትውን ይርሕቕ ናይ ሕልንኡ ምኽሪ ነጺጉ
ክፉእ ነገር እንተ ጌሩ ግና ብሕልንኡ ኩሉ ጊዜ እንዳተፈረደ ወይ እንዳተጣዕሰ ይነብር፡ ሕልንኡ ይወቕሶ ማለት እዩ። ካብዚ ንርዳእ
ንጽቡቕ ኮነ ንኽፉእ ከከም ስርሑ ዋጋ ዝኸፍል ከየዳለወ ዝፈርድ ልዕሊ ኹሉ ዝኹነ ሓደ ኣምላኽ ምህላው እዩ። ሮሜ 2፡14-15
"እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ሕልናኦም እንዳመስከረሎም ሓሳቦምውን ነንሕድሕዱ እንዳተኻሰሰ ወይስ እንዳተኸላኸለ እቲ ግብሪ
ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ ይርእዩ ኣለዉ እሞ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተረዲኦም ካብ ዝገበርዎስ ንሳቶም ሕጊ እንተዝይብሎም
እዃ ንርእሶም ሕጊ እዮም።"
3. ናይ ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ ድሌት
ኣብ ዝተፈላዩ ናይ ዓለም ክፍልታት ዝርከብ ሰብ ኩሉ ዋላ እኳ ናይ እግዚኣብሔር ስርዓቱ ይፈላለ እምበር ሓደ
ኣምላኽ ምህላው ይኣምን እዮም። ስለዚ ሰብ እግዚኣብሔር ምህላዉ (ህልውና) ዝኣምን ናይ ሃይማኖት መጽሓፍቲ ኣንቢቡ ጥራሕ ዘይኮነ
ብተፈጥሮ ሰሚዑ ድሌቱ ወይ ዝንባሌኡ ስለዝደፋፈኦን'ውን እዩ። ግ.ሓዋርያት 17፡22-34
4. ቃል እግዚኣብሔር ናይ ታሪኽ ምስክርነት
ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ትንቢታት ተነጊሮም እዮም። እዞም ዝተነገሩ ትንቢታት ውን በብጊዜኡ ዝተፈጸሙ
ምዃኖም ብታሪኽ ዝተረጋገጸ እዩ። ንመጻኢ'ውን ዝበጽሕ ኩነታት ኣቐዲሞም ክዛረቡ ብዝተፈላለዩ መገዲ ንነብያት ዝግለጸሎም እግዚኣብሔር
እዩ። እግዚኣብሔር ዝነበረ ዘሎን ዝንብርን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ህልውና ዘረጋግጹ ገለ ጥቕስታት ንምጥቃስ
መዝ.ዳዊት 10፡4 መዝ.ዳዊት 14፡1 "ዓሻ ብልቡ አምላኸ የልቦን ይብል"