17/11/2017

ለባም ክትከውን ትደሊ ዶ?


v ዝኾነ ዘረባ ቃል ቅድሚ ምምላቚካ ብዛዕባ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ሓቅነቱን ጠቓምነቱን ኣስተውዕል።
v ቃል ኣብ እትኣትወሉ እዋን ጥንቃቐ ግበር። ንዝኣተኻዮ ቃል ድማ ብእምነት ተግብር።
v ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ንምዝራብ ኣይትጓየ። ኣይትሕመ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ሕማቕ ኣይትሕሰብ።
v  ምሕረት ንምግባር ተዳሎ። ሰባት ዝከኣሎም ክገብሩ ከምዝኽእሉ እመን። ንነዊሕ ጠምት።
v ንሰባት ብእዋናዊ ተግባሮም ኣይትፍረድ። ዓቕሊ ይሃልኻ።
v ብዛዕባ ሰባት ጽቡቕ ንምዝራብን ንምንኣድን ዕድል ኣብ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ። ስቕታ ኣይትምረጽ። ናእዳኻን ኣድናቖትካን ብሓጎስ ግለጽ።
v ዝኾነ ሰብ ምስ ዝውንጅለካ ብዛዕባ’ቲ ዝበለካ ነገር ሓቅነቱ ኣረጋግጽ። ቅኑዕ ኮይኑ እንተረኺብካዮ “ኣይትሓዘለይ” ንምባል ኣይትፍራሕ።
v ጌጋ እንተኾይኑ ድማ ሓሪቕካ ዘየድሊ ነገራት ንምግባር ኣይተተሃወኽ። ግደፎ ምኽንያቱ ከከም ኣመጻጽኡ ባዕሉ ክኸይድ ስለዝኾነ።


v  ኣካይዳኻን ስነ ምግባርካን ንእንታይነትካ ንኽምስክር ሕደጎ። ምኽንያቱ ሰብ ብቓላቱ ስለዘይምዘን።


7 ምኽሪታት - ነብሱ ከመሓዪሽ ንዝደሊ
ናብ ሕሉፍ ተመሊሱ፡ ዝተፈጸመ ጕዕዞ ኽቕይር ዝኽእል ወላሓደ የለን። እንተዀነ ሎሚ ሓድሽ ጕዕዞ ጀሚርካ፡ ዓወት ወይ ድማ ሓድሽ ምዕራፍ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ። እዚ ኽንገብር እንተዀይና ግና፡ ነብስና ብኸመይ ከነመሓይሽ ንኽእል፡ ንገለ ኻብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ከነተግብር ይግበኣና።
1. ንዓኻ ምስ ዘይመስሉ ሰባት ካብ ምኻድ ተቘጠብ። ህይወት ሓጻር እያ። እሞ ንምንታይ ደኣ ነቶም ካባኻ ሓጐስ ዝወስዱ ሰባት፡ ነታ ሓጻር ህይወትካ ንኽጫረቱ ዕድል እትህቦም። ሓደ ሰብ እንተ ደኣ ኣብ ህይወቱ ዝደልየካ ኰይኑ፡ ናይ ግድን ባዕሉ ቦታ ክህበካ እዩ። ቦታ ንኽትረክብ ዘይተደልየ ጻዕሪ ኣይተካይድ። ህላውነትካን ክብሪኻን ዘነኣእስ እንተዀይኑ ግን፡ ንምንታይ ከንቱ ጻዕሪ ተካይድ። ሓደ ነገር ክትዝክሮ ዘለካ፡ ኵሉ ግዜ እቲ ኣብ ጐንኻ ጠጠው ዝብል፡ ኣብ ግዜ ሓጐስካ ዝቐርበካ ዘይኰነሲ፡ እቲ ኣብ ግዜ ጸገምካ ምሳኻ ዝካፈል እዩ።
 2. ካብ ሽግርካ ምህዳም ኣቛርጽ ንሽግርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ግጠሞ ደኣ እምበር፡ ጭራኻ ደጒልካ ኣይትህደመሉ። እቲ ሓያል ዝበሃል ሰብ፡ ንዅሉ ዝመጾ ብድሆታት ይከላኸል እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ንሽግሩ መመሊሱ ስለ ዝገጥሞን፡ ቀስ ኢሉ ሰለዝፈትሖን እዩ ሓያል ዘብሎ። ሰባት ክሳብ ዝዀንና ድማ ክንሓርቕ፡ ክንጒሂ፡ ክንጕዳእ ከምኡ’ውን ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ንዘለካ ሽግር ብምግጣም፡ ካብኡ ተማሂርካ ናብ መፍትሒ ምምጻእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ህይወት…ከመይ ተዓዊትካ ትወጽእ ስለዝዀነ።
 3. ንነብስኻ ምሕሳው ኣቋርጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዕ ዓለምና ንዘሎ ሰብ፡ ክትሕስው ትኽእል ኢኻ። ንነብስኻ ክትሕሱ ግን ኣይትኽእልን። ህይወትካ ከተመሓይሽ እንተደኣ ኴንካ፡ ዘለዉ ዕድላት ተጠቐም። እቲ ናይ መጀመርታን ከቢድን ክንወስዶ ዝግበኣና ስጕምቲ ምስ ነብስና ቅንዕና ክህልወና እዩ።
 4. ድልየታትካ ኣይተወንዝፎም እቲ ዝኸፈእ ከጓንፈና ዝኽእል፡ ኣብ መስርሕ ምፍቃር ካልኦት ሰባት ንነብስኻ ክትርስዕ ከለኻ እዩ። ኣብዚ ህሞት፡ ነብስኻ ከም ሓደ ብሉጽ ህያው ኣምላኽ ምኳንካ ንኽትርስዖ ትግደድ። ነዓኻ ዘገድሰካ ገለ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገር እንተሎ፡ እቲ ትኽክል ግዜ ሕጂ እዩ።
 5. ንገዛእ-ርእስኻ ምሰል እቲ ዝኸፈአ ነገር፡ ጽዒርና ነብስና ቐይርና ንኻልኦት ሰባት ዝመስል ምስሊ ኽንሕዝ ንደሊ ብምኳንና እዩ። ኣብ’ዛ ዓለም እዚኣ፡ ካብኻ ዝጽብቕ፡ ካባኻ ዝነፍዕ፡ ከምኡ’ውን ካባኻ ዝንእስ ሰብ ኣሎ። ግና ንሶም ንስኻ ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም። ሰብ ንኽፈትወካ ኢልካ ኣይትቀየር። ንስኻ ንገዛ ርእስኻ ምሰል እሞ፡ እቶም ሓቀኛ ሰባት ድማ ከፍቅሩኻ እዮም።
6. ኣብ ሕሉፍ ህይወትካ ኣይትድረቕ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ሓንቲ መጽሓፍ እንተ ደኣ ደጋጊምካ ኣንቢብካያ፡ ናብታ ትቕጽል ምዕራፍ ክትቅጽል ኣይትኽእልን። ስለ’ዚ ኣብ መጻኢኻ ዝያዳ ኣተኵር።

7. ጌጋ ንከይትፍጽም ኢልካ ካብ ምፍራሕ ተቘጠብ ሓደ ነገር ሰሪሕካ ወይ ፈጺምካ ጌጋ ውጽኢት ምስ ዘምጽእ፡ ካብ ዘይምፍታን ግና ብዓሰርተ ኢድ ይሓይሽ። እቶም እንርእዮም ዕውታት ሰባት፡ ናብ መበገሲ ታሪኾም እንተደኣ መጺእና ጌጋታት ከምዝነበሮም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ጌጋታትና ድማ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ከምርሑና ከምዝኽእሉ ኽንግንዘብ ይግበኣና። ዘይገበርኩዎ ኢልካ እትጠዓሶ፡ ካብቲ ዝገበርካዮ ኣዝዩ ስለዝኸፍእ ኣብ እዋኑ ፈጽሞ።





Aucun commentaire:

Enregistrer un commentaire

ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል