28/10/2017

ነገረ ድሕነት


ነገረ ድኅነት ፥ ኣቦና ኣዳም ካብ ዝወደቖ ኃጢኣት ብኸመይ ከም ዝደኃነን ንሕና ደቁ ብኸመይ ከምእንድኅንን መንግሥተ እግዚአብሔር ከምንወርስን ዝምህር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። 

እግዚኣብሔር ንሰብ ብኣርኣያኡን ብምስሉን (ዝሓሰብን ዘስተውዕልን ጌይሩ) ድሕሪ ምፍጣሩ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ኣብ ገነት ኣቐመጦ። እዚ ትእዛዝ ካብተን ክልተ ሓዲኤን ክመርጽ ዘኽእሎ ናይ ፈቓድ ትእዛዝ እምበር ከምቲ መብዛሕትኡ እዋን ንፈልጦ ናይ ግበር ኣይትግበር ትእዛዝ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ገነት እሞ ህይወትን እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦምን ከብቁል ከሎ ንወዲ ሰብ ዘስተውዕልን ዝሓስብን ጌሩ ፈጢርዎ ነይሩ። ካብዚ ዝተለዓለ ከኣ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ዝፈልጠሉ ኣእምሮኡ ተጠቒሙ ናይ ህይወት ኦም (ዕፀ ህይወት) ወይ ሞት እተምጽእ ኦም (ዕፀ ሞት) መሪጹ ክበልዕ ነጻ ፈቓድ ኣለዎ። ነጻ ፈቓድ ማለት ሓደ ሰብ ንሓደ ተግባር ክፍጽም ወይ ከይፍጽም ዘህልዎ ናይ ድልየት ነጻነት እዩ። በዚ ነጻነት ተጠቒሙ ከመስግን ወይ ከውቅስ፣ ዋጋ ከውህብ ወይ ከቅጽዕ ክጎድእ ወይ ክጠቅም ዝኽእል ስራሕ ክገብር ወይ ከይገብር ይኽእል። ነዚ ዝምልከት ኣብ ኦሪት “ርአ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፣ ሞትን ክፉእን፣ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ” ይብል። (ዘዳ.30፦15)
ኣብ ድኅነት ወድ ሰብ ግደ እግዚኣብሔር ከምዘሎ እቲ ዝድሕን ሰብ’ውን ንድሕነቱ ዘበርክቶ ግደ ኣሎ። እግዚኣብሔር ደሙ ኣፍሲሱ ዕዳና ከፍሉ ካብ ናይ ዘልኣለም ባርነት ሞት ነጻ ኣውጺኡና። ንክንድሕን ምሉእ ነጻነት ሂቡና እምበር ኣየገደደናን በዚ ነጻ ፈቓድ ከም ይሁዳን ዴማስን ዝበሉ ክጉድኡሉ ከለው ሐዋርያት፤ ሰማእታትን ቅዱሳን ከኣ ተጠቒሞምሉ እዩም ድሒኖምሉ እዩም። ኣብ ነገረ መለኮት ድኅነት ብናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣሚንና ነቲ ንሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብተግባር ብምትርጓም ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ጎይታ ኣብ መዋእለ ትምህርቱ “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድሲ ኣይለኣኾን ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለዘይኣመነ ድሮ ተፈረድዎ እዩ” (ዮሓ.3፦16፦18) ኢሉ ከምዝማሃረ። ንምዃኑ ኣብ ነገረ ድኅነት ግደ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ? ነዚ ሕቶ ምስቲ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምድሓን ነጻ ፈቓድ ኣዛሚድና ክንርእዮ ኢና።

መፍቀሬ ሰብ እግዚኣብሔር፡ ንኣዳም ካብ መሬት ዝፈጠሮ፡ ትእዛዙ ምስ ኣፍረሰ’ውን “ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢሉ ናብ መሬት ዝመለሶ፡ በቲ ዝሃቦ ተስፋ’ውን ካብ መሬት ከልዕሎን ከድኅኖን ሥልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። በዚ ኸኣ እቲ ብመለኮቱ ዘይርአ እግዚአብሔር ንሰብ ምእንቲ ከድኅኖ ፍጹም ሰብ ኮነ፡ ብሥጋ ተጋህደ።


ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል