28/10/2017

ኣእማደ ሚስጢር

ኣዕማድ፦ ተሸካሚ ዓንዲ ማለት እዩ። መሰርት እምነት ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ’ውን ናይ ሃይማኖት መሰረት ከምዝኾነ ትኣምንን ተምህርን ንሓሙሸተ ኣእማደ ሚስጥር ኢዩ። ኣእማድ ማለት ዓምድታት ማለት ኢዩ። ሚስጥር ማለት ድማ ሽሽግ ሕቡእ ማለት’ዩ።እዞም ክልት ቃላት ተጠቓሊሎም ክንበቡ ከለዉ ናይ ሚስጥራት ዓምድታት ዝብል ትርጉም ይሕዙ። እዚ ኻኣ ገዛ ብ ዓምዲ ከምዝቐውም ትምህርት ሃይማኖት ኽኣ በዞም ሚስጥራት ኣብ ታሕቲ ተገሊጾም ዘለዉ ጸኒዑ ስለዝነብር ኢዩ፣፣ ናይ እግዚኣብሔር ናይ እምነት መሰረት ስለ ዝኾኑ ቤተክርስቲያንና ኣዕማደ ምሥጢራት ትብሎ፡ ብካልእ መገዲ ድማ ኣዕማድ ዝተባህለሉ ምኽንያት ልቦናና ካብ ኑፋቄ ካብ ጥርጥር ዘድሕኑ ስለዝኾኑ እዩ። ዓንዲ ዘይብሉ ገዛ (ቤት) ኩሉ ከምዝወድቕ ኣዕማደ ምሥጢራት ዘይኣመነ ዘይፈለጠ ሰብ እንተኾይኑ ይወድቅን ሃይማኖት ዘይቡሉን እዩ፣፣ብካልእ  መልክዕ ድማ  ብቅዱሳን መጻሕፍቲ አብ ልዕሊ መሰረት እምነት ጥንታዊት ቤተክርስትያን ብዙሓት መናፍቃን በብግዚኡ ተንሲኦም ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ አባሃህላ ብምጥቃስ ክትዕ አልዒሎም ከም ዝነበሩን ሕጂ ዉን ከም ዘለዉን ዝፍለጥ እዩ፣ ስለዚ ዝቀርበልና ሕቶታት ኩሉ ዝግባእ ምላሽ መታን ክንህብ ነዞም ዓንዲ ናይ ሃይማኖትና ዝኮኑ 5 ኣዕማደ ምሥጢራት ክንፈልጦም ይግበኣና፣፣
“ነገር ግን ንኻልኦት ክኣ ንኽምህር ኣብ ማሕበር ኣእላፍ ቃላት ብልሳን ካብ ምዝራብ ሓሙስት ቃላት ብኣእሙሮይ ክዛረብ ይፈቱ።”ከም ዝበለ 1ይ ቆሮ 14፡19 ሓዋርያ ቅዱስ ጵውሎስ ሓሙስተ ቃላት ዝበሎም ብትርጉም፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽት ኣእምደ ሚስጥራት እዮም።ንሳቶም ከኣ፡ 
         1. ምሥጢረ ሥላሴ
       2. ምሥጢረ ስጋዌ
       3. ምሥጢረ ጥምቀት
       4. ምሥጢረ ቁርባን
      5. ምሥጢረ ትንሳኤ ሙታን እዮም። እዞም ሚሥጢራት እዚአቶም መንነት ነቲ እነምልኮ እግዚኣብሄር መን ሙካኑ ስላሌ መን ሙካኖም እግዚኣብሄር ወልድ ብከመይ ስጋ ለቢሱ ካመ ወሲድዎን ብከመይ መልክዕ ተጠሚቁ መኣዋእቲ ኦሪት ኣሕሊፉ መስዋእቲ ሓዲሽ ብከመይ ሰሪዑልና ትንሳኤ ሙታን እንታይ እዩ ናይ ሰብ ምትንሳእ ከመይ እዩ ንዓለም ብከመይ ይፈርዳን ዝብሉ መልሲ ኣብ 5ኣእማደ ሚሥጢር ኢና ንረክቦ በዚ እያ ቤተክርስትያና ዓንዲ ሃይማኖት ናይ እምነትና መሰረት ኢላ ትምህረና።
ምሥጢር ዝተባህለሉ ንምንታይ እዩ? ምሥጢር ናይ ግሪኽ ቃል ክኸውን ከሎ ዝተሰወረ ሕቡእ ማለት እዩ። ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢራት፣ ምሥጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት፦ቡዙሕ ዋላ እንተኮነ ብሕጽር ዝበለ ግና =
1. ብሥጋ ጥበብ ተመራሚርካ ምርዳእ ስለዘይክኣል።
2. ንዝኣመኑ እምበር ንዘይኣመኑ ሰባት ዝተሰወረ ምዃኑ ምሥጢር ተባሂሉ፣፣


        ምሥጢረ ሥላሴ                                                  

 ምሥጢረ ሥላሴ ማለት ናይ እግዚአብሄር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ እዩ ፣፣ሥላሴ፦ ናይ ግእዝ ቃል ክኸውን ከሎ ሠለሰ ካብ ዝብል ግሲ ዝወጸ እዩ። እግዚኣብሔር አምላኽ ሓደ ክኸውን ከሎ ለስተ፡ ሰለስተ ክኸውን ከሎ ድማ  ሓደ እዩ። እዚ ናይ እግዚኣብሔር ሰለስትነት ፍሉይ ሰለስተ እዩ። ሰለስተ ጥራሕ ተባሂሉ ደው ስለዘይብል ሰለስተ ክኾኑ ከለዉ ሓደ’ውን እዮም፡ ስለዚ እግዚኣብሔር ናይ ሓድነት ሰለስትነት ወናኒ ብምዃኑ ሥላሴ ይበሃል እዚ ማለት ድማ  ሰለስትነቱ፣ ብሽም ፣ ብአካል፣ብግብሪ ክኸዉን ከሎ ሓድነቱ ድማ፥ብባህርይ፣ ብህልዉና፣ ብፍቃድ ፣ብስልጣን፣ ብመለኮት ፣ ብምፍጣር እዩ፣፣
 ዘፍ1፣26 ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፣በለ ኢሉ ናይ እግዚአብሄር ሓድነት ክገልጽ ከሎ ብመልክዕና  ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር ብምባል፣ሰለስትነቱ የረድኣና፣፣ ምኸንያቱ ብመልክዖይን ብምስለይ እንተዝብል ኔሩ ሓደ አካል ጥራሕ እዩ ምበልና፣  ሓድ ሓደ ኣንጻር ሥላሴ ዘለዉ ሰባት ነዚ ኣባሃህላ ብኻልእ ዝትርጉምዎ ኣልዉ ነዚ ቃል ኣባሃህልኡ ዘመልክት ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ከም ነገስታት ልምዲ ንባዕሉ ከኽብር ኢሉ ብብዝሒ ኣንቀጽ ገሊጽዎ እምበር ሠለስትነት ኣየመልክትን፡እዩ ይብሉ፡ እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ምኻኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይረጋግጸልና፡ ከመይሲ ኣብ ዉሽጢ መጽሓፍ ቕዱስ ዝተጠቅሱ ነገስታት ንነብሶም ንሕና እንዳበሉ ወይ ከኣ ብብዝሒ ኣንቀጽ ሰዩሞም ኣይዛረቡን እዮም። ንኣብነት :-ኣብ ዘፍ 41፥41* "ፈርኦን ንዮሴፍ "ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ሸይመካ ኣለኹ"በሎ እምበር ሸይምናካ ኣይበሎን። ዳን 4፥6 * ናቡከደነጾር "ዳንኤል 4

6፤ ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን፣ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ኼፍልጠኒ፣ ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም፣ ኣዘዝኩ።" በለ እምበር ከፍልጡና ኣብ ቅድሜና ኣይበለን። ዘፍጥረት 3፡ 22፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። በለ ከምኡ ዉን ዘፍጥረት 11 ፡7፤ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ፡ ይብለና። እዚ ቃል ሓደ ኣካል ተዛሪቡ ክልተ ኣካል ሰማዕቲ ከም ዘለዉ የረድአና፡ ነዚ ኣበሃህላ እዉን ኣንጻር ሥላሴ ዝኮኑ ሰባት ናብ ካልእ ኣንፈቱ ዘጥእ እና ገበሩ ይትርጉምዎ፡እዮም።ኣብዙ እቲ ዝዛረብ እግዚኣብሄር ክከዉን ከሎ እቶም ሰማዕቲ መላእክቲ እዮም ይብሉ፡ ነዚ እዉን መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ሙኻኑ የረድእ፡ ከመይ ሲ እግዚኣብሄር ብባህሪኡ ድኩም ስለ ዘይኮነ ብመሰረቱ ሓገዝ ዝደሊ ፉጡር እምበት ፈጣሪ ስለ ዘይኮነ እዩ። ንቅዱሳን መላእክቲ ኪዱ ከምዚ ግበሩ ኢሉ ይእዝዝ እምበር ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን እዩ፡

ከምኡ ዉን ንእግዚኣብሄት መማኽርቲ ከም ዘይብሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ሓቂ እዩ ኢሳ 40፥12-15 ሮሜ 11፥33-36 ዘፈ 18፥1-15 እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ብሠለስተ ኣካል ከም ዝተገልጸሉ የረድአና ፡ ቀትሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ።ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፎ እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ።ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ፡ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ። እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ክግለጸሉ ከሎ ሰለስተ ሰብኣይ መሲሉ ከም ዝተራእዮ መጽሓፍ ቕዱስ ገሊጹ እዩ እምበኣር ሓድነቱን ሰለስትነቱን ካብ ኣዘራርባ ኣብርሃም ብግልጺ ንመሃር ኢና። ኢሳ 6፥3 ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡እዚ ሰለስተ ጊዜ ቅዱስ ዝበለ ቅድስና ናይ ባህሪኦም ንዝኾኑ ስላሴ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ካብ መላእኽቲ ዝቀረበ ምኻኑ ነስተዉዕል ።ሰላስተ ሳዕ ሙካኑ ድማ ሰለስትነትን ሓድነትን ንምግላጽ እዩ፣፣

ሥላሴ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ከምዚ ሎሚ ዝምስገንዎ ዘለዉ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ይምስገኑ ነይሮም እዮም። መን የመስገኖም ነይሩ፧ እንተ ተባህለ ብባሕርዮም ይምስገኑ ነበሩ፡ “ወአኮ ዘነኃሥሥ ስብሐተ እምዘ ፈጠርነ ስብሐቲነሰ እምኅቤነ ውእቱ”፡ ካብ ዝፈጠርናዮ ፍጥረት ምስጋና እንደሊ ኣይኮናን ምስጋናናስ ካብ ባሕርይና እዮ። (ቀሌምንጦስ) “ስብሐቲሁ ዘእምኅቤሁ ወውዳሴሁ እምዚኣሁ”: ምስጋናኡ ካብኡ ናይ ባሕርዩ እዩ ይብል። (ቅዱስ ዮሓንስ.ኣፈወርቒ . ኣብ ቅዳሴ )
መን ፈጠረና፧ ሥላሴ። ብመንከ ንኣምን፧ ብሥላሴ። ሥላሴ ክንደይ እዮም፧ ሓደ እዮም ሠለስተ ድማ እዮም። “እንዘ ኣሓዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሰለስቱ ኣሐዱ፡ ”ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ፤ ሠለስተ ከለዉ ሓደ፤ ብኣካላት ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ከኣ ሓደ ይኾኑ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)
ምሥጢረ ሥላሴ ዝኽፈልን፤ ዘይክፈልን እዩ፡ “ይትከፈሉ በአካላት ወኢይትከፈሉ በመለኮት። (ቅዱስ ባስልዮስ)፤ ሊሉያን እንበለ ትድምርት ወኅቡራን እንበለ ተሌልዮ” ብኣካላት ይፍለዩ ብመለኮት ግን ኣይፍለዩን፤ ብዘይ ምሕዋስ ፍሉያት ብዘይ ምፍልላይ’ውን ሓደ ይብሉ።(ሠለስቱ ምእት)

ዝሓለፈ ትምህርቲ

ማማ ፊደል ናይ ትግርኛ መጻሕፍቲ 1ይ ን 2ይ ክፋል